Thursday , May 16 2024
Michael Probst/AP/TT A Singapore Airlines plane at Frankfurt Airport.

መንገድታት ኣየር: ሰራሕተኛታተን ምሉእ ክታበት ክኽተቡ ይጠልባ

.

መንገድታት ኣየር ኣውስትራልያ: Quantas: ከምኡውን Cathy Pacific: ሰራሕተኛታተን ክቱባት ንክኾኑ ጠለብ ከም ዘቕረባን ነዚ ስዒቡ ድማ መንገድታት ኣየር ሲንጋፖርን ማሌዥያን: ሰራሕተኛታተን ምሉእ ብምሉእ ዝተኸትቡ ንክኾኑ ጠሊበን ምህላወን ተሓቢሩ።

ኣብ ሽወደን: ሰራሕተኛታት ንክኽተቡ ዝግደዱ ኣይኮኑን:: እንተኾነ ግና ገለ ሃገራት ኣብታ እትመጸን ነፋሪት ዘለዉ ሰራሕተኛታት: ዝተኸትቡ ክኾኑ ከም ዝሓታ ብምምልካት: መንገዲ ኣየር ሳስ: ነዚ ቅድመ ኩነት ንምፍታሕ: ነቶም ዝተኸትቡ ጥራይ ናብቶም በረራታት ተፋኑ ምህላዋ ተገሊጹ።

እቶም ዘይተኸትቡ ድማ ምኽታብ ከም ቅድመ ኲነት ኣብ ዘይውሰደሉ ቦታታት ከም ዝበራ ይግበር ኣሎ ክብል ኣብ ኩባንያ SAS በዓልመዚ ፕረስ:  ጆን ኤኮፍ ኣመልኪቱ።

ኲሎም ሰራሕተኛታትና ን ፕሮግራም ክታበት ብምስዓብ ክትባት ክወስዱ ነተባብዖም ኢና፥ ከነገድዶም ግና ኣይንደሊን ኢና” ክብል ወሲኹ ኣረዲኡ።

ካብ መንገዲ ኣየራት ኣመሪካ UA: ኣብ ወርሒ ነሓሰ ነዚ ኣገዳዲ ሕጊ ምውጽኡ: መንገዲ ኣየር ሃዋይ ድማ ነዚ ምስዓቡ ዝፍለጥ እዩ።

99% ካብ ኣባላቱ ምሉእ ክትባት ዝረኸቡ መንገዲ ኣየር ሲንጋፖር ንባሕቲ መስከረም: ናይ ግዜ ገደብ ምቕማጡ ገሊጹ’ሎ። መንገዲ ኣየር ማሌዥያ ብወገኑ 95% ካብ ኣባላቱ ምሉእ ክትባት ምርካቦም ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com