Friday , May 17 2024

መንግስቲ፡ ሓቀኛ ዕድመ ስደተኛታት ንምፍላጥ ዘኽእሉ ኣገባባት የናዲ

መንግስቲ ሽወደን፡ ሓቀኛ ዕድመ ናይ ሓተቲ ዑቕባ ንምፍላጥ ዘኽእል ሕክምናዊ ኣገባብ ንምንዳይ ሓደ መርማሪ ከምዝመዘዘ TT ሓቢሩ።

ድልዳለ ኣስናንን ኣብራኽን ብምዕዛብ ዕድመ ናይ ስደተኛታት ንምፍላጥ ክስረሓሉ ዝጸንሐ ኣገባብ ኣጠራጣርን ናብ ቅኑዕ መደምደታ ዘየብጽሕን ብብዙሓት ክኢላታት ክንቀፍ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።   

ዕድመ ስደተኛ ኣብ ውሳነ ሕቶ ዑቕባ ዓቢ ተራ ኣለዎ። እቲ ምንታይ’ሲ፡ ሓደ ስደተኛ ልዕሊ 18 ዓመት ወይ ትሕትኡ ምዃኑ ምፍላጥ ኣብቲ ውሳኔ ዓቢ ጽልዋ ስለዘለዎ።

ኣብ ዓመተ 2019፡ ንጉዳይ ዕድመ ስደተኛ ኣመልኪቱ፡ መንግስቲ ሽወደን፡ መርመራታት ንምክያድ ዝሓትት እማመ ኣመሓላሊፉ ከምዝነበረ ይዝከር።

እቲ ተመዚዙ ዘሎ መርማሪ፡ ቤት ፍርዲ ሽወደን ዝጥቀመሉ ሕክምናዊ ኣሃዱ ምስ ናይ ካልኦት ሃገራት ዝጥቀማሉ ኣገባባት ብምውድዳር ጸብጻቡ ኣብ ወርሒ ሰኔ 2021 ንኸቕርብ ቆጸራ ተዋሂብዎ ኣሎ።

ንጉዳይ ዕድመ ብዝምልከት ክሳብ 31/05/2024 ዘሎ ግዜ ዝተፈላለዩ ትምህርታዊ መጽናዕታት ክካየዱ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com