Thursday , May 16 2024

መንግስቲ፡ ብመሰረት እማመ ፈደሬሽን ኩባንያታት ሽወደንን ማሕበር PTK ን ሕጊ ዕዮ ንክቕይር ይሰርሕ

ሚኒስተር ዕዮ ሽወደን፡ ኢቫ ኖርድማርክ፡ ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መንግስቲ ንሕጊ ዕዮ ንምቕያር ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጻ። እቲ ኣብ መንጎ ፈደሬሽናት ኩባንያታት ሽወደንን PTK ን ዝተበጽሐ እማመ ከም መሰረት እዚ ለውጢ ኮይኑ ከገልግል ምዃኑ’ውን ወሲኻ ገሊጻ።

ስምምዕ ጥሪ ከም ዘመልክቶ ኣብ ዕዳጋታት ሽቕለት ሽወደን ዘለዋ ሰልፍታት እንተድኣ ነቲ ሕጊ ብኸመይ ዘመናዊ ኣቃውማ ከም ዝህልዎ ኣብ ስምምዕ በጺሐን፡ መንግስቲ ነቲ ስምምዕ መሰረት ብምግባር፡ ክሰርሕ ምዃኑን ምስኡ ዝሳነ እማመታት ከቕርብ ምዃኑን ኣፍሊጡ እዩ ክትብል ሚኒስተር ኖርድማርክ ሓቢራ።

ካብ ሰለስተ ሰልፊታት ክልተ ጥራይ ኣብዚ ጉዳይ ምስምመዐን ከም ዘሕዘና ዝገለጸት እታ ሚኒስተር፡ መንግስቲ፡ ብመሰረት ኣብ መንጎ ፈደሬሽን ኩባንያታት ሽወደንን PTK ዝተበጽሐ ስምምዕ ክዓይ ምዃኑ ድማ ኣስሚራትሉ።

መንግስቲ፡ ስምምዕ ናይዞም ወገናት ኣብ ግምት የእትዩ ክሰርሕ እዩ፡ ድሕሪ ምባል፡ እዞምን ሰለስተ ወገናት (Svenskt företag, PTK och LO)፡ ብሰፊሑ ኣብ ዝሰማማዓሉ ነጥብታት ኣለሊኻ ምስራሕ፡ ንዓይ እቲ ኣገዳሲ ነገር እዩ፡ ትብል እታ ሚኒስተር።  ኣብ ዕዳጋታት ሽቕለት ምስ ዝግደሳ ሰልፊታት ቀጻሊ ዘተ ክካየድ እዩ ኢላ።

ሰልፊ ማእከል ነዚ ስምምዕ ብሓጎስ ከም እተቐበሎ ክገልጽ ኣንከሎ ጸጋማይ ሰልፊ ግን ፍርቂ ዓወት እዩ ብምባል ሕጊ ዕዮ ብመሰረት እማመ ላስ ብዘይምቕራቡ ዘለዎ ቅሬታ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com