Thursday , May 16 2024

መንግስቲ ሽወደን፡ ንወጻኢታት መርመራታት ኮሮና ንምሽፋን ተወሳኺ 3 ቢልዮን ክሮን ሰሊዑ

ንመርመራታት ኮሮና ተባሂሉ ዝግበር ወጻኢታት ንምሽፋን፡ መንግስቲ፡ ናይ 3 ቢልዮን ክሮን ተወሳኺ ገንዘብ ክድጉም ምዃኑ ተመባጺዑ ክብሉ ጸብጻባት TV4 ሓቢሮም።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ንተመሳሳሊ መዓላ ተባሂሉ ተሰሊዑ ዝነበረ ገንዘብ ክውዳእ ብምቕራቡ እዩ። እዚ ተወሳኺ ድጎማ፡ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ዘሎ ግዜ ከጻንሕ ከምዝኽእል ይንገር።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ብዙሓት ከባቢታት ሽወደን፡ ብሰንኪ ጠለብ መርመራ ኮሮናን ጸረ ኣካልን፡ ጸቕጢ የጋጥመን ከምዘሎ ብፍላይ ድማ ኣብተን ለበዳ ኮሮና ከምእንደገና ዝውስኸለን ዘሎ ኣከባቢታት፡ እቲ ጸቕጢ ዝለዓለ ኮይኑ ኣሎ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ንመርመራ ኮሮና ዝወጽእ ወጻኢታት ክሽፍን ዝወሰነ፡ ንምንጪ ለበዳ ኮሮና ንምክትታልን ንምስፍሕፋሕ ኮሮና ንምቁጽጻርን፡ ከምቀዳማይ ዕላማ ስለዝሓዞ እዩ ክትብል ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ኢዛቤላ ሎቪን፡ ገሊጻ።

ኣብ ዓመተ 2020፡ ንወጻኢታት መርመራ ኮሮና ንምሽፋን ተባሂሉ ካብ ካዝና መንግስቲ ዝወጸ ገንዘብ፡ ክሳብ 9.8 ቢልዮን ክሮን ክበጽሕ ከምዝእል ገምጋማት ይሕብሩ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com