Sunday , May 19 2024
Credit: Pixabay

መንግስቲ ሽወደን ሓደስቲ እማመታት መሰል ህጻናት ይዝቲ ።

ሽወደን ውዕል መሰላት ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ንምትግባር ዝያዳ ክትሰርሕ ኣለዋ ተባሂሉ። እዚ ዝተባህለ ብመንግስቲ ዝተመዘዘት
መርማሪት ኣኒታ ሊንደር፥ ሎሚ ንሚኒስተር ማሕበራዊ ኣገልግሎት ካሚላ ግሮንቫል ልዕሊ 700 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ ድሕሪ
ምቕራባ እዩ። እዚ ጸብጻብ ኣብነታዊ መጽናዕቲታት 34 ድምጾም ከስምዑ ዝጸዓሩ ህጻናት ዘጠቓልል እዩ። ህጻናት ብፍላይ ኣብ
ጒዳይ ግዱድ ክንክን ርእይቶኦም ክስማዕ ሕጋዊ መሰል ኣለዎም። እንተኾነ ግና ኣብ ብርክት ዝበሉ ዕድሜኦም ትሕቲ 15 ንዝኾኑ
ህጻናት ኣመልኪቶም ዝተመሓላለፉ ውሳነታት ግዱድ ክንክን ንርእይቶ እቶም ዝምልከቶም ህጻናት ኣብ ግምት ዘእተዉ ከም
ዘይኮኑ ሬድዮ ሽወደን ምቅልዓ ዝዝከር እዩ። ሊንደር ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እዚ ጸብጻብ ንምድላው ቃለ መሕትት
ዝተገብረሎም ህጻናት እዚ ንምግባር ካብ ወለዶም ዝኾነ ሓገዝ ከም ዘይተገረሎም ገሊጾም ኣለዉ።
"እዞም ህጻናት ክብልዎ ዝደልዩ ብዙሕ እዋን ሰማዒ ኣይረክብን እዩ። ሰብመዚን ካልኦትን ወይ ኣይኣመኑዎምን ወይ
ኣይሰምዕዎምን እዮም"። ብተወሳኺ ዝበዝሕ እዋን ሰብ ክሕግዞም ኣብ ዘይክእል ኩነታት እዮም ዘለዉ–ይብል እቲ ጸብጻብ።
መሰል ተሰማዕነት ህጻናት ከውሕሱን ከድንፍዑን፡ ብእኡ ኣቢሎም’ውን ሽወደን ንውዕል መሰል ቆልዑ ው/ሕ/ሃ ከተግብር የኽእሉ
እዮም ዝበለቶም ሰለስተ እማመታት ኣቕሪባ’ላ። ሽወደን ንሳልሳይ ፕሮቶኮል ጒባኤ ው/ሕ/ሃ ብምጽዳቕ ቆልዑ ዘለዎም
ጥርዓናት ብቐጥታ ናብ ኮሚተ ው/ሕ/ሃ ከቕርቡ ምግባር፥ እቲ ህጻን ምስ ዘሎ ኲሉ ጸገማትን ድሩትነትን ዝበጽሖ ግህሰት መሰል
ኣመልኪቱ ከማርር ዘለዎ ዕድል ምትንታን፣ ከምኡ’ውን ህጻናት ምስ ኣብያተ ፍርድን ሰበስልጣንን ዘለዎም ህሉው ርክባትን
ኩነታት ምፍላጥን ወከልቲ ህጻናት ከም ዝቖማ ምግባርን ዝብሉ እዮም።

 

Credit: Pixabay

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com