Friday , May 17 2024

መንግስቲ ፡ መምርሒታት ማስክ ምኽዳን ዘይምእዋጁ፡ ብተቛወምቲ ሰልፍታት ሽወደን፡ መብርሂ ክህበሉ ይሕተት

መንግስቲ ሽወደን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ፡ መምርሒታት ምኽዳን ማስክ፡ ዘይምእዋጁ፡ ብተቛወምቲ ዝኾኑ ሰልፍታት፡ ዓቃባውያንን  ክሪሲ ዲሞክራትናን፡ መብርሂ ንኽህበሉ ሕቶ ከምዝቐረበሉ ተፈሊጡ።

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ንምኽዳን ማስክ ኣመልኪቱ፡ ንሽወደን፡ ምኽሪ ከምዝለገሰላ ይፍለጥ። ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት፡ ማስክ ምኽዳን፡ ግዴታ እዩ። ኣብ ሽወደን፡ ገለ ኣካላት፡ ማስክ ምኽዳን ኣገዳስነት የብሉን ኣለዉ። ስለዚ፡ መንግስቲ፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ ሓፈሻዊ መብርሂ ክህብ ይግባእ ክብል ሓላፊ ዓቃባዊ ሰልፊ፡ ኦልፍ ክሪስተርሶን፡ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ።

እዚ ጉዳይ፡ ኣብቲ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ዝተጸወዐ ኣኼባ፡ ክለዓል ምዃኑ ኣብ ፓርላማ ሽወደን፡ ኣቦ ወንበር ሽማግለ ህዝባዊ ጉዳያት ዝኾነ ኣኮ ኣንካርበሪ ዮሃንሰን፡ ገሊጹ።

ናይ ቅድመ ኩነትን ድሕሪ ኩነትን ምድላዋትና ከነወሃህዶም ይግበኣና። ከም ኣብነት ክንጠቅስ እንተኮንና፡ ህዝቢ፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብ ዝጥቀመሉ እዋን፡ ማስክ ንኽኽደን ምዝኽኻር ዝኣመሰሉ እዮም ክብል፡ ኣኮ፡ ወሲኹ ገሊጹ።

ምኽርታት ምኽዳን ማስክ፡ ብፍላይ ኣብ ርሕቐት ክሕለወሉ ዘይክእል ኩነታት፡ ከም ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያታት፡ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ ክብል ሓላፊ ሰልፊ ስቬርያ ዲሞክራትና፡ ጂሚ ኦክሰን፡ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com