Thursday , May 16 2024
The cleaning industry is dirty, says the Swedish Tax Agency's expert. Foto: Fredrik Sandberg / TT / Kod 10180

መንግስታውያን በዓል መዚታት፡ ዘይሕጋውያን ናይ ጽሬት ኩባንያታት ይቖጽራ ኣለዋ ተባሂሉ

ልዕሊ 10 ዝኾኑ መንግስታውያን በዓል መዚታት፡ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት፡ ነቲ ኤሊየንስ ኣክት (Alien’s Act) ተባሂሉ ዝፍለጥ መስርሕ ዝጥሕሳ ናይ ጽሬት ኩባንያታት ቆጺረን ስራሓተን ከም ዘሰላስላ፡ SVT ኣቃሊሑ ክብል፡ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ሓደ ካብዚኦም፡ ሃገራዊ ቦርድ ንብረት (National Property Board፡  SFV) ተባሂሉ ዝፍለጥ ትካል ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ሽወደን ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ቆጺሮም ከምዘስርሑ ዝፍለጡ ክልተ ኩባንያታት ቆጺሩ ስራሕ ከምዝሃበ ተፈሊጡ’ሎ።  

 እዞም ትካላት ብኤሊየንስ ኣክት (Aliens Act) ዝተኸሰሱ ምዃኖም ኣይፈለጥናን ኔርና፡ ሕጂ ግን፡ እዚ ሓበሬታ ብዕቱብ ንከታተሎ ጉዳይ እዩ” ክትብል ወሃቢት ቃል SFV ዝኾነት ኦሳ ካርልበሪ፡ ን SVT ሓቢራ።

SFV ኩሉ ግዜ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝስራሓሎም ሕግታት ምስ ዝትግብሩ ኣቕረብቲ ሰራሕ ብጥንቃቐ ንኽሰርሕ ድልው ከምዝኾነ እያ ተረጋግጽ።

“ናይ ጽሬት ኢንዱስትሪታት፡ ረሲሐን ከምዘለዋ ተገንዚብና ኣለና። እቲ ኣብዚ ጉዳይ ዘለና ግምት፡ ዳርጋ 10% ዝኾኑ ትካላት ጽሬት፡ ብጸሊም ዝሰርሑ ከምዝኾኑ እዩ” ክትብል ኣብ ትካል ቀረጽ ሽወደን (Swedish Tax Agency) ክኢላ ናይ ቁጠባዊ ወንጀል ዝኾነት ፒያ በርግማን፡ ንSVT ሓቢራ።

ትካል ቀረጽ ሽወደን ከምዘስመረሉ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ካብቲ ዘሎ ዕዳጋ፡ ንዝጥለቡ ኩባንያታት ምቁጽጻር ዘኽእል ብቑዕ መስርሕ ከምዘየለ እዩ ዝገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com