Friday , May 17 2024

መደብ ምክልኻል ነብሰ ቅትለት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኮተቴ ክፉታት ኮይኖም ከዕልሉ የተባብዑ

Jonas Ekströmer/TT

ኣብዚ ሎሚ እዋን ኣብ ሽወደን ካብ 15-24 ን ዝዕድሚኦም ሰባት ቀንዲ ጠንቂ ሞት ነብሰ ቅትለት ምዃኑ ተገሊጹ። ኣብ ሽወደን ኣብ ዘለዋ 60 ዝተፈላለያ ምምሕዳራት ከተማ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ንኣስታት 14 ዓመት ዝዕድሚኦም ተማሃሮ ኣብቲ YAM ወይ ‘ንቕሓት መንእሰያት ኣብ ጥዕና ኣእምሮ’ ዝብል መደብ ክሳተፉ ዕድል ይህባ’ለዋ። እቲ መደብ፥ ተማሃሮ ኣብ በዳሂ ኲነታት ንጡፍ ተራ ክጻወቱ ዝኽእሉሉ መዳያት ዘጠቓልል እዩ። ማሪ ዌስተርበርግ ምስ YAM ኣብ ምምሕዳር ከተማ ክራምፎርስ እትሰርሕ ኮይና እቲ መደብ ተማሃሮ ናይ ልቦም ከዕልሉ ከም ከም ዝሕግዞምን ”በዚ ድማ ብዛዕባ ከበድቲ ዛዕባታት ምዝራብ ክንድዚ ከቢድ” ከም ዘይኮኖም ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com