Friday , May 17 2024
STOCKHOLM 20210512 Zinkendamms IP på Södermalm i Stockholm har blivit stadens senaste vaccinationscentral mot covid-19. Det är vårdföretaget PR vård som ser till att folket får sina vaccinationssprutor. Foto: Jonas Ekströmer / TT / kod 10030

መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ ኣብ ስቶክሆሎም፡ ወሲኹ

ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆሎም ዝረአ ዘሎ መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ ብተኸታታሊ ንሻውዓይ ሰሙኑ ይቕጽል ከምዘሎን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቲ መጠን ምውሳኽ መልከፍቲ፡ ትሕቲ 20% ምንባሩ ይዝከር ክብል ጸብጻባት ጥዕና ምምሕዳር ስቶክሆሎም ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።

ካብ ዕለት 10 ክሳብ16 ነሓሰ፡ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ 2177 ሰባት ብኮቪድ-19 ከምዝተለኽፉ ጸብጻባት ገሊጾም። እቶም 62 ሰባት፡ ኣብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝግበረሎም ዘለዉ ኮይኖም 8 ድማ ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝግበረሎም ዘለዉ እዮም። ክሳብ ሕጂ ድማ ዝኾነ ናይ ሞት ኣጋጣሚ ኣይተመዝገበን ዘሎ ክብል እቲ ጸብጻብ፡ ብምውሳኽ ሓቢሩ።

ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ብዝሒ ናይቶም ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ምሉእ ክታበት ዝወሰዱ ሰባት፡ 57.2% ክበጽሕ እንከሎ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 16 ክሳብ 17 ዘለዉ ቀዳማይ ክታበት ዝወሰዱ ሰባት ድማ 27.5% ከምዝበጽሑ ስታትስቲካዊ ጸብጻባት እቲ ምምሕዳር ገሊጾም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com