Thursday , May 16 2024

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት መንእሰያት ሽወደን፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 100 ዓመታት፡ እቲ ዝለዓለ ምዃኑ ተገሊጹ።

ዕድሜኦም ካብ 15 ክሳብ 24 ዓመት ዝኾኑ መንእሰያት፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ 100 ዓመታት፡ ከም ሎሚ ጌሮም ብስእነት ሽቕለት ተሳቕዮም ኣይፈልጡን እዮም ክብል ናይ ቀረባ እዋን ኣሃዛዊ ጸብጻባት በዓልመዚ ስታቲስቲክስ ኣመልኪቱ። መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ መንእሰያት ሽወደን፡ ኣብ ወርሒ መስከረም 27.1% ከምዝነበረ፡ እዚ ድማ፡ ኣስታት 160 ሽሕ መንእሰይ ከምዝኸውን፡ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ ክብል ኣገልግሎት ዜና SVT ኣቃሊሑ።

ከምቲ ኣብ እዋን ቅልውላው 2008 ኣጋጢሙ ዝነበረ፡ ሕጂ’ውን ተኣፈፍቲ ጉጅለታት ክህልዉ እዮም ክብል ኣብ ኦፕሳላ ዩኒቨርሲቲ፡ መምህር ቁጠባ ዝኾነ ላርች ማግኑሰን ሓቢሩ። ቅልውላው ኮሮና፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን መንእሰያትን ዝያዳ ሃስያ ኣውሪዱ ምህላዉ ድማ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com