Sunday , May 19 2024
Credit: Pixabay

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ “ኣብ ቤይሩት ኣብ ልዕሊ ኤምባሲ ሽወደን ፈተነ መጥቃዕቲ ነታጒ ተፈጺሙ.. ዝተጎድአ ሰብ የለን”

ብቕድሚ ትማል ረቡዕ፥ ቤይሩት ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሽወደን መጥቃዕቲ ነታጒ “ሞሎቶቭ ኮክቴል” ዝፈጸመ ሰብ፥ ክሃድም
ከም ዝኸኣለ ዲፕሎማስያዊ ምንጪታት ሓቢሮም።
“ትማሊ ምሸት ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲና ዝተደርበየ “ሞሎቶቭ ኮክቴል” ዝተባህለ ነታጒ ከም ዝነበረ ኣረጋጊጽና’ለና። እንተኾነ ግና
ብዕድል ኣይተፈንጀረን” ክብል ሓደ ዲፕሎማስያዊ ምንጪ እቲ ኤምባሲ፥ ትማሊ ሓሙስ ገሊጹ።
እቲ "ገበነኛ ሃዲሙ’ሎ" ክብል እቲ ምንጪ ወሲኹ ሓቢሩ። ኣብ ስቶክሆልም ድሕሪ ዝተኻየደ ምቅጻል ቊርኣን ኣብ መንጎ
ሽወደንን ሃገራት ኣስላምን ወጥሪ ተላዒሉ’ሎ። ሰዓብቲ ዝተፈላለያ ዓበይቲ ሃይሞኖታት ኣብ ዘለዉዋ ሃገረ ሊባኖስ፥ ድሕሪ’ቲ ኣብ
ስቶክሆምልም ዝተኻየደ ምርኻስ ቊርኣን፡ ኣብ መሳጊድ ሓያል ተቓውሞታት ተጌሩ’ሎ። ብዘይካዚ ብኢራን ዝድገፍ መራሒ ሺዓ
ጉጅለ “ሕዝቡላህ” ኣምባሳደር ሽወደን ክስጎግ ጸዊዑ እዩ። በዚ ድማ ሓይልታት ጸጥታ ሊባኖስ፥ ኣብ ልዕሊ ኣቲ ኤምባሲ ሽወደን
መጥቃዕቲ ከይፍጸም ብምስጋእ፥ ኣብ ማእከል ከተማ ቤይሩት ሓለዋ ከደልዱ ጸኒሖም ኣለዉ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶብያስ ቢልስትሮም “ብዕድል ዝኾነ ሰብ ከም ዘይተጎድአን ሰራሕተኛታቱ ኣብ ጽቡቕ ኲነታት
ከም ዘለዉን” ወሲኹ ኣመልኪቱ።
“እቲ ፍጻመ ኣብዚ እዋን’ዚ ይምርመር ኣሎ” ክብል እቲ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥
“ሰበስልጣን ሊባኖስ፥ ብመሰረት ውዕል ቪየና ዲፕሎማስያዊ ተልእኾታት ናይ ምሕላው ግዴታ ኣለዎም” ኢሉ። ኣብ መወዳእታ
ዝሓለፈት ወርሒ፥ ክልተ ዒራቓውያን ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ኣፍደገ ባይቶ ሽወደን ቅዳሕ ቁርኣን ብሓዊ ምቅጻሎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡
እዚ ሰፊሕ ኣህጒራዊ ውግዘት ኣስዒቡ እዩ። ሳልዋን ሞሚካን ሳልዋን ናጀምን፥ ዝሓለፈ ሰነ ኣብ ኣፍደገ መስጊድ ስቶክሆልም ኣብ
ዘካየድዎ ተቓውሞ፡ ነቲ ቅዱስ መጽሓፍ ብምርጋጽ ኣብ ልዕሊ ምርኻሶም፡ ቅድሚ ምውድኦም ብሓዊ ኣቃጺሎሞ እዮም። እዞም
ክልተ ሰባት፡ ብ20 ሓምለ ኣብ ርእሰ ከተማ ሽወደን ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ዒራቕ ተመሳሳሊ ተቓውሞ ምክያዶም ዝዝከር እዩ።

 

Credit: Pixabay

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com