Friday , May 17 2024

ማሀር ብድራኸን ብናይቲ ገበናዊ ህይወቱን ገይሩ ህይወት ከድሕን ይደሊ!

ካብ እተወደበ ገበንን ማእሰርትን ናብ ኣስተምሃርን ከምኡውን ነቶም ካብ ናብራ ገበን ኪሃድሙ ዚደልዩ መንእሰያት ድራኸ ዚህብ ሰብ።

“ካብ ጸገማት ክሃድም ኣብ ዝፈተንኩሉ ግዜ፡ ብምኽንያት ከባቢየይ ብዝያዳ ናብኡ እምለስ። ካብኡ ከልግስ ምስ ዝፍትን ድማ ካብኡ ዚገድድ ጸገማት የጓንፈኒ። ድሮጋ ክሸይጥ ምስ ጀምርኩ ከምኡ እዩ ነይሩ፡ ካብኡ ንምውጻእ ድማ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ትርጉም ኣይነበሮን።”

ማሀር ከምዚ ብምባል እዩ ዛንታኡ ጀሚሩዎ። ንሱ ኣንጻር ሕጊ ኪሰርሕ ዝጀመረ ካብ ንእስነቱ እዩ፡ ን26 ዓመታት ድማ ከምኡ ኢሉ ቀጺሉ።

ኣቦ ንወዱ እታ ናይ ኢድ ሰዓት ካበይ ኣምጺእካዮ ኢሉ ዘይሓቶ እንተ ኾነ።

ሓደ ንሰብ ናብ ናይ ገበን መገዲ ከም ዚጥወ ዚገብሮ እቶም ወለዲ እዮም… ካብ ሓደ ንኣብነት ኣብ ወጻእተኛታት ጥራይ ዚቕመጡሉ ቦታ ዚነብር እሞ ዓሰርተ ኣሕዋቱ ድማ ስራሕ ዘይብሎም ኪኾኑ ኸለዉ፡ እቶም ስድራቤት ድማ ብድጎማ ጥራይ ዚነብሩ እንተ ኾኑ፡ እቲ ሰብ ድማ ከም ኣያ ዚርእዮ ወላሓደ እንተ ዘይብሉ፡ እንታይ ክንጽበ ንኽእል? ነዚ ሰብዚ ምንም ፍቕሪ ወይ ሓልዮት የልቦን፡ እቲ ኣቦውን ነቲ መንእሰይ ነታ ኣብ ኢዱ ዘላ ሰዓብ ካበይ ኣምጺእካያ ኣይብሎን እዩ።

ንኣይ ኣቦይ እፈትወካ እየ ኪብል ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን።

ካራተ እኽእል ከሎኹ፡ ምንም ደገፍ ግን ረኺበ ኣይፈልጥን። ኣብ መፈለምታ 1990ታት ምስ ስድራይ ካብ ለባኖን ናብ ሽወደን ግዒዘ። ምንም ገንዘባዊ ሓገዝ ኣይነበረንን፡ ምስ 10 ኣሕዋተይ ድማ እቕመጥ ነይረ።

ኣብ ለባኖን ከሎኹ ወዲ 7 ዓመት ከለኹ እየ ስራሕ ጀሚረ፡ ብጾት ክረክብ ከሎኹ ድማ ከምቲ ንሳቶም ዚገብሩዎ ክገብር ነይሩኒ እንተ ዘይኮይኑ ይግንሑኒ እዮም ነይሮም። ኣቦይ ኣብ ህይወትና ኣይነበረን ኣነ ኸኣ ከም ኣብነት ወሲደ ከምኡ ክኸክውን ዝጽዕረሉ ዕላማ ኣይነበረንን።

ኣብዚ ናይ ገበን ዓለም መኣስ ኢኻ ኣቲኻ?

ወዲ 14 ከለኹ ቅሩብ ክሰራርቕ ጀሚረ ከም ቺኮላታ ምስራቕ ወይ ድማ ነኣሽቱ ነገራት ካብ ዱካናት። ብድሕርዚ ምስ ግሩፖታት ክኸይድ ጀሚረ። ኣብዚሕና ክንሰርቕ ድማ ጀሚርና፡ ኣብቲ ከባቢና ድማ ህውከት ንፈጥር ኔርና። ብድሕርዚ ናብቲ ዝዓበየ ስርቅን ጸገማት ምፍጣርን ኣትየ።

ሕጂ ግን ኩሉ ተለዊጡ።

ከምቲ ቀደም እንገብሮ ዝነበርና፡ መሳርያታት ኣይንጥቀምን ኢና። ኣብ ናይ ኢድ ብኢድ ባእሲ ኢና ተደሪትና። እቶም ኣብ ሆልማን ኣብ ክሮክስ በክ ዝዓበዩ ሰባት ከም ሓደ ግሩፖ እዮም ነይሮም። ብሓደ ስለ ዝዓበዩ ነንሓድሕዶም ይፋለጡ እዮም፡ ኣብ ነንሓድሕዶም ግን ተባኣስቲ ኣይነበሩን። ሕጂ ግን ኩሉ ተለዊጡ። ነፍስወከፍ ግሩፖ ማንም ዘይልውጦ ነናቱ ዞናን ሕግን ኣለዎ።

 

ንኣብነት ሓደ ሰብ ነቲ ድሮጋኡ ኣብቲ ዞናኡ እምበር ኣብ ካልእ ኪሸጦ ኣይፍቀድን። ማንም ሰብ ነቲ ናይ ካልእ ግሩፖ ዓሚል ኪወስዶ የብሉን፡ ከምኡ ምስ ዚገብር ይቕጻዕ እዩ። እቲ መቕጻዕቲ ነቶም ከምኡ ኪገብሩ ዚደልዩ ካልኦት ዘፍርህ ኣብነት ኪኸውን ተባሂሉ ዚትግበር። መብዛሕትኦም ካብ 15 ዓመት ንላዕሊ ዝዕደመኦም መንእሰያት እዮም። ሎሚ እቲ ኣገባብ ኣሸያይጣ እውን ፍሉይ እዩ። ቀደም፡ እቲ ዓሚል ነቲ ኣቕሓ ኪወስድ ባዕሉ እዩ ዚመጽእ ነይሩ፡ ሕጂ ግን ነቲ ኣቕሓ ገዝኡ ኬድካ ኢኻ እተቐብሎ። እቲ ድሮጋ ብተለፎን ካብ ስፓኛ እውን ይለኣኽ እዩ። እቶም ሸያጦ ካብቶም ዓደግቲ እናበዝሑ ብምኻዶም እቲ ውድድር ጽንኩር እዩ፡ ስለዚ ድማ ናብ ባእስን ሕነ ምፍዳይን ኪመርሕ ክኢሉ ኣሎ።

ማሀር ኣብ ለባኖን ከሎ ብምኽንያት ድሮጋ ንሰለስተ ዓመታት ተኣሲሩ ነይሩ። ፍርዱ ምስ ወድአ ድማ ናብ ሃገር ሽወደን መጺኡ ከም ብሓድሽ ጀሚሩ።

ናብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብምኻድ ክሳዕ ስራሕ ዚረክብ ሓገዝ ሓቲቱ። ኣብኡ ግን እቲ ኣብ ቤትጽሕፈት ዝነበረ ሰብ ሓንቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ፓርክ ዝገበረት ማኪና ብስሙ ስለ እተመዝገበት፡ ናይ ሰለስተ ዓመት ሙልታ ኪኸፍል ከም ዘለዎ ነጊሩዎ። ስሙ ድማ ኣብ ጸሊም ከም ዝኣተወ ገሊጹሉ። ማሀር ግን ነቲ ማኪና ዝነበረቶ ቦታ ኣይፈልጦን እዩ። ግን ኪኸፍል ነይሩዎ። ብዘይ ስራሕ፡ ሙልታ ኪኸፍል ኣይክእልን እዩ ነይሩ፡ ስራሕ ምርካብ ድማ ብምኽንያት ዝሓለፈ ዛንታኡን ናይ ሰብ ጸለመን ፈጺሙ ተስፋ ኣይነበሮን። ስለዚ ስራሕ ኪረክብ ኣይከኣለን።

 

ደሓር ደኣ እንታይ ጌርካ?

ናብቲ ናይ ገበን ዓለመይ ተመሊሰ፡ ግን ከኣ ኣጸቢቐ እየ ኣትየዮ። ንሕንቲ ኪሎ 3 ዓመት ተኣሲረ። ሓደ ወንጀለኛ ንሃገር ሽወደን ብዙሕ እዩ ዘኽስራ፡ ማለት ክሳዕ 25 ሚልዮን ክሩነር፡ ንፖሊስ፡ ንቤትፍርዲ ንጠበቓታትን ንኸሰስትን ዚኽፈል።

 

ብዛዕባ ነጥበመቐይሮ ህይወትካ እስከ ንገረና።

ኣብቲ ሰብ ክቐትለሉ ወይ ክዕምጸሉ ዝኽእል ደረጃ ምስ በጻሕኩ እየ ተለዊጠ። ኣብቲ ንኹሉ ጸገማተይ ብዓመጽ ክፈትሓሉ ዝኸኣልኩሉ ደረጃ በጺሐ። ካብ ገበነኛ ናብ ተቓላሳይ ኣንጻር ገበን እተለወጥኩሉ ምኽንያት ግን፡ ሓደ ዝርደእንን ዝኣምነንን ንህይወተይ ክልውጥ ዕድል ዝሃበንን ሰብ ብምርካበይ እዩ።

ናብ ህይወተይ ምስ ጠመትኩ፡ ክልተ ምርጫታት ጥራይ ነይረናኒ። ወይ ክቕተል እየ ወይ ድማ ዝተረፈ ህይወተይ ኣብ ቤትማእሰርቲ ከሕልፎ እየ።

 

እታ ተስፋ ዝኾነትኒ ሰብ፡ ኣደይ እያ። ኣብ ኩሽነ ኮፍ ኢለ መግቢ ክስተርሓለይ ከላ ምስ ረኣኹዋ፡ ብፍቕሪ ድማ ብላዕ ምስ በለትኒ፡ ነዚ ዚምልከት ፈይስቡክ ክኸፍት መዲበ፡ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ ድማ 22 ሽሕ ሰዓብቲ ረኺበ። ንኣታቶም ድማ መገዲ ገበን ሓደገኛ ምዃኑ ገሊጸሎም። ንወደይ ምስ ረኣኹዎ ካብ ህይወቱ ክርሕቕ ከም ዘይደሊ ምገለጽኩሉ፡ ከምቲ ኣቦይ ካባይ ዝረሓቐ ክኸውን ኣይደልን።

ካብተን ንደቀን ብኣወንታዊ መገዲ ዝጸለኹለንን ዘድሓንኩለንን ኣዴታት ናይ ምስጋና መልእኽትታት ተቐቢለ። በቲ ሰፊሕ ናይ ህይወት ፍልጠተይ ብመርትዖታት ከእምነን ክኢለ። ስለዚ ኖ ክራይም ዚብል ማሕበር ጀሚረ። ኣብያተትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ ኖርሾፒን ኤስሎቭ ማልመ ንተመሃሮን ወለድን ብጾትን ኣሕዋትን ኣስተምህሮ ንኽህብ ዓዲመናኒ። ንኣንስቲ ጥራይ ዝዓለመ ኣስተምህሮ እውን ኣካዪደ።

ኣንስቲ ከም ኣደታትን ኣሓትን ብጾትን ዝዓበየ ተራ ኣለወን ኢለ እሓስብ። ብዙሓት ኣዋልድ ድሮጋ ንምትሕልላፍ ነቶም መንእሰያት ይሕግዛ እየን፡ ወይ ድማ ኣጽዋር ይሕዛ ምእንቲ ግሩም ቦርሳ ኪገዝኣ። ግን ናይቲ ቦርሳ ዋጋ፡ ደምን ማእሰርትን ምስ ካልኦት ባእስን እዩ።

ኣብታ ኣቐዲሙ ኣብ ማልመ ዝወዓለላ ገበን ናብቲ ግዳይ ዝሕከመሉ ዝነበረ ሆስፒታል ከይደ ነቶም ግዳያት ረኺበዮም፡ ነቲ ኣውያቶም ድማ ቀዲሐዮ፡ መታን ህዝቢ ኪሰምዖ፡ መታን ቅድሚ ንሳቶም እውን ከእውዩ ዚጅምሩ ስጉምቲ ኪወስዱ።

ምስ ተለወጥካ ካብ መንግስታውያን ትካላት ሽወደን ደገፍ ረኺብካዶ?

 

ፍሉጥ። ሎሚ ምስ ፖለቲከኛታት ኣኼባ ኣሎኒ፡ ሳላ ደገፍ መንግስትን መንግስታውያን ትካላትን  ድማ ኣብቲ ናብ ዕብየት መንእሰያት ዝዓለመ ፕሮጀክት ኣብ ምትግባሩ እርከብ ኣሎኹ።

Zainabwitwit


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com