Wednesday , May 15 2024
French soldier on a mission in Gao, Mali in June 2021. Mali denies, among other things, France reports that Russian mercenaries are operating in the country. (AP Photo/Jerome Delay) XJD118

ማሊ፡ ሩስያውያን ዕሱባት፡ ኣብ ሃገረይ የለውን ክትብል ክሒዳ

ናይ ማሊ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ፡ ነቲ ምስቲ ጸይቀ-ዕሉል ጉጅለ ዋግነር ርክብ ዘለዎም ሩስያውያን ዕሱባት ኣብ ሃገራ ከምዘለው ዝወጸ ጸብጻብ፡ ‘ኣሉ’ ክትብል ምኽሓዳ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እዚ ዝተባህለ፡ ኣብ ማሊ፡ ወታሃደራዊ ህልውና ዘለወን ከም ካናዳ፣ ጀርመን፣ ፈረንሳ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ሽወደንን ዝኣመሰላ 15 ምዕራባውያን ሃገራት ንንጥፈታት ናይ ጉጅለ ዋግነር ዝኹንን ክታመን ዘንበርራሉ መግለጺ ድሕሪ ምውጽአን እዩ። ኣብ ልዕሊ’ዚ፡ ሩስያ ንንጥፈታት ናይ ዋግነር ንዋታዊ ሓገዝ የቕርብ’ዩ ተባሂሉ ስለዝሕመይ፡ እዚ መግለጺ ንባዕሉ ነቲ መንግስቲ ሩስያ’ውን ዝምልከት ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።
ይኹን እምበር፡ መንግስቲ ባማኮ ብወገኑ፡ እቲ ዝባሃል ዘሎ ሓውሲ-ወታሃደራዊ ሓይሊ፡ ኣብታ ሃገር ምህላው ብናጻ ኣካል ክረጋገጽን መርትዖ ክቐርበሉን ሕቶ ከምዘቕረበ ተፈሊጡ’ሎ።
ከም መንግስቲ ማሊ እንድሕር ኮይኑ እቶም “ሩስያውያን ኣሰልጠንቲ” ዓቕሚታት ናይ ማሊ ንምድንፋዕ እምበር ንኻሊእ ጉዳይ ከምዘይኣተው ብምግላጽ፡ እቶም ዝመጹ ዘለው ወቐሳታት “መሰረት ዘይብሎም ክሲታት” እዮም ክብል ኣብቲ ዝሃቦ መልሲ ሓቢሩ’ሎ።
“ባማኮ ምስ ሩስያ ፌደሬሽን ዘለዋ ርክብ፡ ኣብ ናይ ሃገር ምስ ሃገር ምሕዝነታዊን ታሪኻዊን ርክባት ጥራሕ ዘተኮረ እዩ” ክብል እቲ መንግስቲ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com