Thursday , May 16 2024
Mali's junta leader Assimi Goïta wants to stay in power for another five years. (AP Photo, File) BAM101

ማሊ፡ እገዳታት ይወርዳ

ኣብ ወርሒ ለካቲት ክካየድ እዩ ተባሂሉ ተወጢኑ ዝነበረ ምርጫ እታ ሃገር ብወተሃደራዊ መንግስቲ እታ ሃገር ድሕሪ ምንዋሑ፡ መራሕቲ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ልዕሊ ማሊ እገዳታት ምጽዓኖም ተፈሊጡ።

ትማል ሰንበት ኣብ ኣክራ፡ ጋና፡ ዝተጋብአ ዞባዊ ቀጽሪ ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኤኮዋስ) ምስ ማሊ ዘለዎ ዶባት ክዓጹን ዝተፈላለዩ ቊጠባዊ እገዳታት ክጽዕን ምውሳኑን ተመልኪቱ። ወተሃደራዊ መንግስቲ ማሊ ብወገኑ ከም ግበረ መልሲ ናይዚ ውሳነ ኣምባሳደራቱ ካብ ኣባል ሃገራት ክስሕብን ኲሉ ናይ መሬትን ኣየርን ዶባቱ ክዓጹን ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ። ኣብ ልዕሊ ማሊ ዝጸዓን ኲሉ እገዳታት ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ድማ ነቲ ውሳነ ብትሪ ኮኒንዎ’ሎ።

ኣብ ማሊ ብዕልዋ መንግስቲ፡ ሰራዊት እታ ሃገር፡ ስልጣን ካብ ፕረሲደንት ኢብራሂም ቡባከር ኬታ ድሕሪ ምቊጽጻሩ፡ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ማሊ ሲቪላዊ መንግስቲ ክምለስ ጻውዒት ክገብራ ምጽንሐን ዝፍለጥ እዩ።

ወተሃደራዊ ጁንታ ማሊ፡ እዚ ምርጫ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ታሕሳስ 2025 ክካይድ ምውሳኑ እዩ ዝገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com