Thursday , May 16 2024
Mali's junta leader Assimi Goïta wants to stay in power for another five years. (AP Photo, File) BAM101

ማሊ . . . ሰራዊት ደንማርክ ካብ ሃገራ፡ ብህጹጽ ክወጽእ ሓቲታ

መንግስቲ ማሊ፡ ነቲ ኣህጒራዊ ግብረመልሲ ንግብረሽበራዊ ምንቅስቓስ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ብዝብል ምስምስ ናብ ማሊ ዝኣተወ ሰራዊት ደንማርክ፡ ብህጹጽ ክወጹ ሓቲቱ።

ኣብ ዓመተ 2020 ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝጨበጠ ወተሃደራዊ መንግስቲ፡ እዞም 90 ዝኾኑ ሰራዊት ደንማርክ ብዘይ ፍቓድ እታ ሃገር ምእታዎም ድሕሪ ምጥቃስ፡ ብህጹጽ ክለቁ ከም ዝደሊ ኣፍሊጡ’ሎ።

ደንማርክ ብወገና፡ ምስ ኣብ ርእሰ ከተማ ማሊ፡ ባማኮ፡ ዝርከብ መንግስቲ ብዛዕባዚ ጒዳይ መብርሂን ንምሃብ ኣብ ልዝብ ምህላዋ ገሊጻ’ላ።

ኣብ ማሊ፡ ዋግነር ዝተባህለ ዕሱብ ሓይሊ ሩስያ ምውፋሩ እናሰፍሐ ዝመጸ ሓበሬታ፡ ኣህጒራዊ ሻቕላ ፈጢሩ ምህላዉ ጸብጻባት የመልክቱ። እንተኾነ ግና መንግስቲ ማሊ፡ ወተሃደራውያን ኣሰልጠንቲ ሩስያ እምበር፡ ቫግነር፡ ዝበሃል ዕሱብ ከም ዘየለ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ውዱቕ ጌርዎ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com