Friday , May 17 2024
Relatives are helped at the hospital after the accident (AP Photo) AAS111

ማሊ: ብሓደጋ መኪና: 41 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ዛምቦጉ ማእከላይ ማሊ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና 41 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 33 ድማ ምሟቶም ተገሊጹ። ካብቶም ብጽኑዕ ዝቖሰሉ ሓደ ዕሸል ከም ዝርከቦም ሚኒስተር ትራንስፖርት እታ ሃገር ገሊጹ’ሎ።

እዚ ብሰሉስ ዘጋጠመ ሓደጋ ጠንቁ ከም ዘይፍለጥ፥ እንተኾነ ግና ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብን ግመን መንገዲ ብንጹር ይረአ ከም ዘይነበረ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ተጓዓዝቲ ገሊጾም።

ኣብ ማሊ ብሰንኪ ሕማቕ ጽርግያታት ሓደጋ መካይን ኣዘውቲሩ ከም ዝኽሰት ጸብጻባት የመልክቱ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ሃገረ ሰኔጋል ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና 11 ሰባት ምሟቶም ተፈሊጡ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com