Friday , May 17 2024

ማሕበር ተኻረይቲ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት፡ ዋጋ ክራይ ኣባይቲ ክውስኽ ኣይግባእን ይብል

ኣብ ዓመተ 2021 ተወጢኑ ዘሎ ምውሳኽ ዋጋታት ክራይ ገዛ ብዝምልከት፡ ማሕበር ተኻረይቲ፡ እቲ ውጥን ከምዘይሰማማዓሉ ዳግመ ግምት ክግበረሉን ጠሊቡ ኣሎ። ምስቶም ኣብ መላእ ሽወደን ዘለዉ ኣካረይቲ ኣብ እዋን ቀውዒ ኣብ ዝግበር ዘተ ኣብ ስምምዕ ክበጽሕ እቲ ማሕበር ምግላጹ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዙሓት ተኻረይቲ፡ ኣብ ፋይናንሳዊ ቅልውላው ምህላዎም፡ ማሕበር ኣካረይቲ፡ ከም ዝኣምን ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ግምት ብምእታው ክንርእዮ ምኽንያታዊ ሕቶ እዩ ክብል ሓላፊ እቲ ማሕበር ጊልቫርድ ኢሳክሰን ገሊጹ። ወነንቲ ኣባይቲ ብወገኖም ሓላፍነቶም ክስከሙ ኣዘኻኺሩ።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብ 2021 ዋጋ ክራይ ኣባይቲ ብ 2.5% ክውስኽ ይኽእል እዩ ክብል ሃገራዊ ማሕበር ወነንቲ ኣባይቲ ሓቢሩ ከምዝነበረ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com