Friday , May 17 2024

ማእሰርቶም ክውድኡ ዝቐረቡ እሱራት ናብ ገዛውቲ ፈረቓ ክኣትዉ ሕቶ ይቐርበሎም

ፍርዶም ንምፍጻም ኣብ ዝቐርቡሉ ዘለዉ እዋን፡ ዝያዳ እሱራት ኣብ “ገዛውቲ ፈረቓ” ሃፍወይ ሃውዝስ ክነብሩ ዕድመ ይግበረሎም ኣሎ። ኣገልግሎት ቤት ማእሰርትን ኣመክሮን ሽወደን ነቲ ተበግሶ ቀዳምነት ብምሃብ: ልዕሊ ዓቐን ጻዕቂ እሱራት ኣብ ዘለዉወን ኣብያተ ማእሰርቲ ዝልቕ ዝበለ ናይ ቦታ ኲነታት ንምፍጣር: ከምኡ’ውን መጠን ምድግጋም ገበን ንምንካይን ይሰርሕ ኣሎ። ናይ ሽዱሽተ ዓመት ማእሰርቲ ፈጺሙ ኣብ ቀረባ እዋን ዝፍታሕ እሱር ንኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ፈለማ ኣብ “ገዛውቲ ፈረቓ” ከይጸንሐ ክፍታሕ ኢሉ ከም ዘይሓስብ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com