Friday , May 17 2024
French President Emmanuel Macron (Pascal Rossignol/Pool via AP) PAR131

ማክሮን . . . ሳልሳይ እብረ ክታበት ኮቪድ-19፡ ክወሃብ ጸዊዑ

ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታት ፈረንሳ፡ ብቑዕ ዝኾነ ናይ ኮቪድ መስክር ወረቐት (ኮቪድ ፓስፖርት) ንኽረኽቡ፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ኮቪድ-19 ክኽተቡ ይግባእ ክብል ፕረዚደንት ፈረንሳ፡ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ንመላእ ሃገር ኣብ ዘመሓለለፎ መልእኽቲ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ካብ ዕለት 15 ታሕሳስ ጀሚሩ፡ ሰባት፡ ዕድመ ናይ ኮቪድ ፓስፖርት ከናውሑ ምስ ዝደልዩ፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ኮቪድ-19 ከምዝተኸትቡ መረጋገጺ ከቕርቡ ክግደዱ እዮም ክብል ማክሮን ወሲኹ ገሊጹ።

ቁጽሪ ናይቶም ብኮቪድ ዝልከፉ ዘለዉ ሰባት፡ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ፡ ማክሮን፡ ኣዘኻኺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com