Thursday , May 16 2024
Prime Minister Magdalena Andersson (S). Foto Pontus Lundahl / TT kod10050

ማግዳሊና፡ ገበን ዝፈጸሙ ሰባት፡ ካብ`ዛ ሃገር ክስጎጉ ኣለዎም

ኣብ ሃገረ ሽወደን፡ ገበን ዝፈጸሙ ናይ ወጻእ ሃገር ዜጋታት፡ ክስጎጉ ከም ዘለዎም ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን፡ ማግዳሌና ኣንደሾን፡ ምስ ጋዜጣ ዳገንስ ኒሀተር ኣብ ዝገበረቶ ቃለ- መሕትት ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ገበን ዝፈጸሙ ወጻእተኛታት፡ ናብ ሃገሮም ክስጎጉ ከም ዘለዎም`የ ዝኣምን፡፡ ብወገንና ድማ፡ ገበነኛታት ክንሰጉግ ኢና፡፡ እዚ ካኣ ብመሰረቱ፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓተ- ሕጊ ሽወደን ዘለዎም እምነት እዩ ዝገልጽ ክትብል ማግዳሌና ኣብሪሃ፡፡

ሚኒስተር ሚግሬሽን፡ ኣንደሽ ይገማን፥ ነቲ ድሕሪ ናይ መጨረሽታ ፍርዲ ዝትግበር ናይ ምስጓግ ገደብ ግዜ፡ ካብ 12 ኣዋርሕ ናብ 6 ኣዋርሕ ዘጉድል ሓድሽ እማመ ናብ ባይቶ ሽወደን ንኸቅርብ ሓላፍነት ተዋሂብዎ ኣሎ።

ነዚ ንምትግባር፡ ካብ ባይቶ ሽወደን፡ ሰፊሕ ደገፍ ክረክብ ተስፋ እገብር ብምባል፡ ኣንደሾን፡ ትምኒታ ገሊጻ፡፡

ብዛዕባ ሓምላይ ሰልፊ ከም ኣካል መንግስቲ እንተዝኸውን ነይሩ፡ እዚ እማመ ናብ ባይቶ ሽወደን ምቐረበ ነይሩ’ዶ ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበላ፡ ኣንደሾን፡ እዚ ሕቶ`ዚ ንምምላሱ ኣሸጋሪ ዝኾነ ግምታዊ ሕቶ`ዩ ክትብል፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን፡ ማግዳሌና፡ ገሊጻ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com