Saturday , May 18 2024

ምሕርናኽ

ምሕርናኽ ክመጸሉ ዝኽእል ምኽንያት ኣብ ሻምብቆ መተንፈሲ ኣየር ማለት ካብ ኣፍንጫ ጀሚሩ ክሳብ ሳጹን ድምጺ ጽበት ምስ ዘጋጥም ክኽሰት ይኽእል።እዚ ጽበት ሻምብቆ መተንፈሲ ኣየር ጠንቅታቱ ብዙሓት እዮም ገለ ካብኣቶም ብሕቆና(ጥንቅልዒት) ኣብ እንድቅሰሉ እዋን ልሳንና(መልሓስና) ንድሕሪት ገጻ ትሕት ኣብ ትብለሉ እዋን ክኽሰት ይኽእል።
ልዕሊ ሚዛን ሰውነት፡ኣልኮል፡መደቐሲ ከኒና ከምኡውን ምትካኽ ሽጋራን ድኣመሰሉ ምሕርናኽ ዘጋድዱ ነገራት እዮም።

ምሕርናኽ ከጉድሉ ዝኽእሉ ገለ ምኽርታት


።ብሕቆና ወይ ጥንቅልዒት ክንድቅስ የብልናን
።ልዕሊ ሚዛን ሰውነት ምስእንኸውን ሚዛን ክብደትና ነጉድል።
። ኣልኮል ክንሰቲ የብልናን ወይ ኣዚና ከነጉድል ይግባእ
።መደቐሲ ከኒና ክንወስድ የብልናን
።ምትኻኽ ነቋርጽ
እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮም ገለ ምኽርታት ምስዘይሕጉዙና ከምኡውን መጻምትኻ/ኺ ናይ ምሕርናኽ ጸገማት ምስ ዝህልዎ/ዋ ናብ ሃውዛርትስ ምውካስ የድሊ።

ምንጪ: Eritreeërs Gezond


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com