Friday , May 17 2024

ምሕደራ ሽወደን . . . ቀዳማይ ክፋል . . . ኣመራርጻ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን

ቀዳማይ ሚኒስተር ንምምዛዝ፡ ወሃብ ቃል ባይቶ ሽወደን (ፕረዚደንት)፡ ምስ መራሕቲ ውድባት ብምርኻብ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተርነት ዝኸውን ሕጹይ ብምርቋሕ፡ ንምጽዳቑ (ንተቐባልነቱ) ናብቲ ፓርላማ ከም ዝቐርብ ይገብር።

ድሕሪኡ እቲ ብወሃብ-ቃል ዝተሮቕሐ ሕጹይ፡ ብመስርሕ ኣሉታዊ ፓርላመንታዊነት (negative parliamentarism) ኣቢሉ ክምረጽ ይግበር። ብተግባር ክርአ ኸሎ እዚ ማለት፡ እቲ ሕጹይ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ክንደይ ዝኣክል ቁጽሪ ናይ ‘እወ’ ይርከብ ብዘየገድስ፡ እቲ ‘ኣይፋልን’ ዝብል ቁጽሪ ካብ 175 ብዝንእሱ ኣባላት ፓርላማ ድምጺ እንድሕር ተዋሂቡዎ እዩ ዝምረጽ።

በቲ ፓርላማ ተቐባልነት ድሕሪ ምርካቡ፡ እቲ ዝተመርጸ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብቲ ዘቑሞ ሓድሽ መንግስቲ ከገልግሉ ዝሓሰቦም ሚኒስተራት ኣየኖት ምዃኖም ነቲ ፓርላማ ክሕብር ይግበር።

እቲ ዝምስረት ሓድሽ መንግስትን ዝተመርጸ ቀዳማይ ሚኒስተርን፡ በቲ ኣብ ንግስነታዊ ህንጻ (Royal Palace) ዝርከብ ሃገራዊ ሽማግለ ወግዓዊ ተፈላጥነት ይወሃቦ። እዚ ማለት ድማ፡ በቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ንጉስ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብንጉስ ካርል መበል 16 ጉስታፍ፡ ዝምራሕ መንግስታዊ ዋዕላ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ወሃብ ቃል (ፕረዚደንት) ብዛዕባ ምርቋሕ ሕጹይን ኣገባብ ኣመራርጻን ብዝምከት መብርሂ ይህብ። ብድሕሪኡ እቲ ንጉስ፡ ለውጢ ናይ ሓድሽ መንግስቲ ከምዝተተግበረ ብምእዋጅ ነቲ ምምራጽ ናይቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ወግዓዊ ይገብሮ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com