Sunday , May 19 2024
Credit: Björn Larsson Rosvall/TT

ምምሕዳራት ከተማ ጽንኩር ኩነታት ክሊማ ንምምካት ዘለወን ድሉውነት ዓብዪ ፍልልይ ኣለዎ ተባሂሉ።

ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን፥ ሃንደበት ዝኽሰት ጽንኩር መሸንቦባ ዝናብ ንምምካት፥ ክሳብ ክንደይ እዂል ምድላው ጌረን ኣለዋ
ኣብ ዝብል ሕቶ ካብ ሓደ ምምሕዳር ከተማ ናብቲ ካልእ ዓብዪ ፍልልይ ከም ዘሎ፥ ኣብ ምምሕዳራ ከተማ ሽወደን ክፍልታት
ማይ፥ ከምኡ’ውን ምውጋን ፈሳሲ ኩባንያታት ዝሰርሕ “ማሕበር ስቨንስክት ቫተን” ሓቢሩ። ነዚ ሓደጋ ንምምካት እንታይ
እንተተግብረ ይሓይሽ ኣብ ዝብል ዝሓሸ ውጥን ዘለወን ከምኒ ዮተቦሪ ዝኣመሰላ ምምሕዳራት ከተማ ከይተረፋ፡ ነቲ ውጥናት
ብጭቡጥ ንምትግባር ገና ብዙሕ ምግባር ከድልየን እዩ ተባሂሉ’ሎ።
"ህንጸት ገና ሕጂ ኢና ጀሚርና" ይብል ክኢላ ምትዕጽጻፍ ክሊማ ዮተቦሪ ጀስፐር ፐርሰን።
"እቲ ዓቢ ብድሆ፡ ኣብቲ ድሮ ጽርግያታትን ህንጻታትን ዘለዉዎ ከባቢ'ዩ" ትብል ኣወሃሃዲትት ምምካት ህቦብላ ካርልስታድ ክሪስቲና
ሄድፎር።

 

Credit: Björn Larsson Rosvall/TT

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com