Thursday , May 16 2024

ምምሕዳር ኡምዮ ኣርባዕተ ናይ ትግርኛ መጽሓፍቲ ንሕትመት ኣብቒዑ

ምምሕዳር ከተማ ኡምዮ ናይ ሃገረ ሽወደን፡ ብደራስን ጋዜጠኛን ጸጋብርሃን ጎይትኦም ዝተደርሳ ኣርባዕተ ናይ ትግርኛ መጽሓፍቲ ብምሕታም ኣብዚ ሰሙን ናብ ህዝቢ ዘርጊሕወን።

እዘን ብደራስን ጋዜጠኛን ጸጋብርሃን ጎይትኦም ዝተደራሳ መጽሓፍቲ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዝተሓትማ ኮይነን፡ ኣብ ተዛረብቲ ቛንቛ ትግርኛ ዘለውን ኣገዳስነት ኣብ ግምት ብምእታውን፡ ንኤርትራዊ ስነ ጽሑፍ ንምትብባዕን ብምባል እዩ ከሕትመን ክኢሉ።

እዘን ምስ ምትሕብባር ኣሕታሚ እምኩሉ ኣብ ሃገረ ሽወደን ተሓቲመን ዘለዋ ኣርባዕተ መጽሓፍቲ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣንበብቲ ዓቢ ተጠላብነት ዝነበረን ኮይነ፡ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ግና ብቀሊሉ ኣብ ምርካበን ኣሸገርቲ ብምንባረን እየን፡ ክሕተማን ክዝርግሓን በቒዐን።

እዘን 1- ተመርዓወኒ’ባ

     2- ንኽልቴና’ባ ተመርዖ

     3- ኣዒንተይ ዘምጽኣለይ መዘዝ

     4- ብኸመይ ሃብቲማ 

ዘርእስተን ኣርባዕተ መጽሓፍቲ፡ ንዝተፈላለየ ህይወት ደቒ ሰባት ኣቶኪረን ኣብ ሓቐኛ ዛንታ ተመርኪሰን ዝተጻሕፋ ኮይነን፡ ኣብ ምምዕባል ስነ ጽሑፍ ቛንቛ ትግርኛ ኣስተዋጽኣ ክገብራ ተስፋ ይግበር።

ደራስን ጋዜጠኛን ጸጋብርሃን ጎይትኦም፡ ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድል ብኸተማ ኡምዮ ተዋሂብዎ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ሃገረ ሽወደን ዝመጸ ኾይኑ፡ ቕድሚ ክልተ ወርሒ ድማ፡ “ወጽዓ’ታ ህጻን” ዘርእስታ መጽሓፍ ንሕትመት ኣብቒዑ ምንባሩ ይዝከር።

ብተወሳኺ ምምሕዳር ከተማ ኡምዮ ነታ ብቛንቛ ትግርኛ ብዙሓት ኣንበብቲ ክትረክብ ክኢላ ዘላ መጽሓፍ “ተመርዓወኒ’ባ” ምስ ኣሕታሚ እምኩሉ ብምርድዳኣ ናብ ቛንቛ ሽወደን ተተርጊማ ኣብ ቐረባ እዋን ንምዝርጋሕ ኣብ ምድላው ከምዝርከብ ክፍለጥ ተኻኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com