Wednesday , May 15 2024

ምምሕዳር ከተማ ሶልቨስቦርይ ናይ መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎም ሓደስቲ መጻእቲ ምቕባል ኣብያ።

ኣርባዕተ ሰልፊታት ቆንስላት ምምሕዳር ከተማ ሶልቨስቦርይ (Sölvesborg)ብኤጀንሲ ማይግሬሽን ናብአን ዝምደቡ ሓደስቲ ሰብ መንበሪ ፍቓድ ክወስዳ ፍቓደኛታት ዘይምዃነን ገሊጸን ተባሂሉ። ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን 12 ሰባት ናብዛ ከተማ ምስዳዱ ዝዝከር እዩ። እዘን ምቕባል ምእባየን ገሊጸን ዘለዋ ሰልፊታት ዴሞክራሲ፡ ዓቃባዊ፥ ክርስትያን ዴሞክራሲን ሰልፊ ሶልን እየን።

እዚ ኣብያ ነቲ ኣብ 2016 ዝተበጽሐን ምምሕዳራት ከተማ ሓደስቲ መጻእቲ ከአንግዳን ዝእዝዝ ሕጊ ዝጥሕስ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። ብመሰረት ሬድዮ ኤኮት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 14ሽሕን 2 ሚእትን ሰባት ናብ ዝተፈላለያ ምምሕዳራት ከተማ እንተላይ ሶልቨስበርይ ተመዲቦም እዮም። ኣብ ኣፕሳላ ዩኒቨርሲቲ ዝምህር ፕሮፌሰር ኡሊ ሉንዲን እቲ ናይ ምምሕዳር ከተማ ኣብያ ምስ ሕጊ ዘይሳነ ብምዃኑ ንጹግ ክኸውን እዩ ክብል ርእይቶኡ ሂቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com