Thursday , May 16 2024

ምምሕዳር ኩንኤልቭ፡ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝርአ ዝነበረ ለበዳ ኮሮና ኣብ ምቁጽጻር ከም ተዓወተት ተፈሊጡ

ኣብ ምምሕዳር ኩንኤልቭ ዝርከባ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዝኾነ ናይ ኮሮና ቫይረስ መልከፍቲ ብዘይ ምምዝጋበን ነቲ ለበዳ ኣብ ምቁጽጻር ከምዝተዓወታ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

ምምሕዳር ኩንኤልቭ ኣብ መጀመርታ እዋናት ለበዳ፡ ንሰራሕተኛታት እንዳ መናበይ ዓበይቲ፡ ኣብ ምቁጽጻር እቲ ለበዳ ዓቢ ተራ ከም እተጻወተ ዝንገረሉ መሸፈን ገጽ (munskydd) ንኽገብሩ መምርሒ ኣመሓላሊፉ ከምዝነበረ ይዝከር።

እኹል ናውቲ መከላኸሊ ምቕራብን ዝግባእ መደባት ጽሬት ምትግባርን ዝኣመሰሉ ካብቶም ጸቒጥና ንሰርሓሎም ዝነበርና ንጥፈታት እዮም ክትብል ሓላፊት ናይተን ኣብቲ ምምሕዳር ዝርከባ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝኾነት ሳንድራ ዮሃንሰን ሓቢራ።

ኣብ ሽወደን ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱ ዝፍለጥ ኮይኑ  እቶም ዝበዝሑ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝቕመጡ ዝነበሩ ኣረጋውያን እዮም ነይሮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com