Friday , May 17 2024

ምምሕዳር ካልማር፡ ሳልሳይ መድረኽ ክታበት ክትጅምር ትዳሎ

ምምሕዳር ካልማር፡ ቀዳማይን ካልኣይን መድረኻት ክታበት ወዲኣ፡ ናብ ሳልሳይ መድራኽ ክትሰጋገር ምዃና ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ክታበት፡ ካብቶም 80 ዓመት ዝዕድሚእዕም ሰባት እቶም 90% ክታበት ክወስዱ ክኢሎም። ካብቶም ኣብ ካልኣይ መድረኽ ክኽተቡ ዝተመደቡ ኣብ ክሊ ዕድመ 70 ክሳብ 79 ዓመት ዝነበሩ ሰባት ድማ ኣስታት 60% ክታበት ክወስዱ ከምዝኸኣሉ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ክኽተቡ ተመዲቦም ዘለዉ ሰባት፡ እቶም ልዕሊ 60 ዓመት ኮይኖም፡ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን፡ ብኸመይ ኣገባብ፡ ቆጸራ ክሕዙ ከምዝኽእሉ ዝሕብር ደብዳቤ ክበጽሖም እዩ።

ምስ ካልኦት ምምሕዳራት ክትነጻጸር እንከላ፡ ምምሕዳር ካልማር፡ ብተዛማዲ ዝነኣሰትን ዝወሓደ ብዝሒ ሰብ ዘለዋን ኣድማዒ ዝኾነ ኣገባብ ኣሰራርሓ ዘተኣታተወት ምምሕዳር ብምዃና፡ ናብ ከምዚ መድረኽ ክትበጽሕ ክኢላ ከምዘላ፡ ክትብል ኣወሃሃዲት ክታበት ናይቲ ምምሕዳር፡ ማሪ ሬናርሶን፡ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com