Thursday , May 16 2024
After the New Year, it will be possible to confirm parenting digitally. (John Stillwell/Pool via AP)

ምርግጋጽ ኣቦውነት ብኤለክትሮኒካዊ ኣገባብ ክኸውን’ዩ ተባሂሉ

እቶም ካብ መርዓ ወጻኢ ዝወለዱ፡ ወላድነቶም ንምርግጋጽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ከምቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ኣገባብ ማለት ናብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ባኣካል ምኻድ ከምዘየድልዮም ተሓቢሩ፡፡ እቲ ካብ 1 ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ኣገባብ ምርግጋጽ ወቦነት፡ ኣብቲ ብሽወደናዊ ትካል ቀረጽ ዝወሃብ ኤለክትሮኒካዊ ኣገልግሎት ብምጥቃም ጥራይ ክሳለጥ ከም ዝኸእል ብተወሳኺ ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ ዝወሃብ ኤለክሮኒካዊ ኣገልግሎት፡ ክልቲኦም ወለዲ ኤለክትሮኒካዊ መንነት ብምጥቃም ከረጋግጹን ክፍርሙን እንተደኣ ክኢሎም፡ እቲ ዝድለዘሎ ኣቦነት ወይ ኣደነት ተመስሪቱ ኣሎ ማለት ዩ ድሕሪ ምባል እቲ ኣገልግሎት ብጣዕሚ ቀሊል ዩ፡ ብዙሓት ተጠቀምቲ ወለዲ ከምዘድንቑዎ ድማ ናኣምን ኢና፡ ክብል ኣብ ትካል ቀረጽ ከም ኣማዕባሊ ጉዳያት ንግዲ ኮይኑ ዝሰርሕ ሽወደናዊ፡ ቶቢያስ ቪክ፡ ገሊጹ፡፡

እዚ ኣገልግሎት እዚ ንምጥቃም ወለድን ደቆምን ኣብ ሽወደን ከም ነበርቲ ዝተመዝገቡ፣ ከመኡ`ውን እቶም ወለዲ ሕጋዊ ዕድመ ኣዳም ዝበጽሑን ክኾኑ ኣለዎም። እዚ ዝተጠቕሰ ኣገልግሎት ኣብተን እቲ ህጻን ዝተወልደለን ናይ መጀመርታ 14 መዓልታት ጥራይ ኣብ ጥቕሚ ምዉዓሉ ከም ዝከኣል ውን ብተወሳኺ ተሓቢሩ፣፣

ኣብ ዓመተ 2020፡ ኣስታት 113.000 ቆልዑ ክውለዱ እንከለዉ፣ ን 63.000 ዝኾኑ ካብኣቶም ድማ ናይ ኣቦነት ምርግጋጽ ዘድልዮም ምንባሮም ይፍለጥ፣፣

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com