Friday , May 17 2024
Foto: Terje Bendiksby / NTB

“ምስላም ኖርወይ ደው ይበል” ዝተባህለ ውድብ ክምርመር ጻውዒት ቀሪቡ።

“ምስላም ኖርወይ ደው ይበል” ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ (SIAN)፡ መርመራ ኽግበረሉ፡ ብርክት ዝበሉ ማሕበራዊ ስነፍልጠታውያን፡ ፖለቲከኛታት ከምኡ’ውን ወሃብቲ ህዝባዊ ርእይቶ ጻውዒት ኣቕሪቦም ተባሂሉ። እዞም ከተምቲ፡ ዳይረክተር ህዝባዊ ኣኽባር ሕጊ ኖርወይ፡ ንንጥፈታትን መግለጺታትን እዚ ጎነጻዊ ዝበልዎ ውድብ ውድብ ክምርምሮ ሓቲቶም ኣለዉ።

“እዚ ውድብ፡ ተግባራቱ ነዚ ሕጂ ዝጎሃሃር ዘሎ ገበናት ምኽንያት ይኾኑ ስለ ዘለዉ፡ ብደረጃ ሃገር መርመራ ክግበረሉ ከም ዝግባእ፡ ኣብ ጒዳይ ጥሩፋት ጒጅለታት መጽናዕቲ ዘካይድ ላርሽ ጉለን ንጋዜጣ ክላስካምፐን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ነዚ ጻውዒት ካብ ዝኸተሙ ምርኡያት ሰባት፡ ወሃቢ ህዝባዊ ርእይቶ ሲንድር ቤንግስታድ፡ ኡልቫ ኤልቪን፡ ሊንዳ ኑር፡ ፖለቲከኛታት ሶፊ ረናን፡ ጊር ሊፐስታድን መራሕቲ ሃይማኖት ባሲም ጎሲየን (ካብ ሊግ ኢስላም) ከምኡ’ውን ኤርቪን ኾን (ካብ ማሕበር እምነት ስርዓተ ሙሴ) ይርከብዎም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com