Saturday , May 18 2024

ምስትንታን ጭንቀት ከምዘፋዅስ ተገሊጹ

ንገዛእ ርእስኻ ኣብ ቅልል ዝበለ ኣስተንትኖ ምስታፍ፡ ምልክታት ጭንቀትን ሻቕሎትን ከምዘጕድል ሓዲሽ መጽናዕቲ ኣረዲኡ። ብመሰረት ሓበሬታ ናይቲ መጽናዕቲ፡ መዓልታዊ ንዓሰርተ ደቒቕ ኣስተንትኖ ምግባር ንዝነበረካ ጭንቀት ኣዝዩ ከምዘጕድሎ’ዩ ተገሊጹ ዘሎ።

ናይ ምጭናቕ ጸገማት ክበሃል ከሎ፡ ብተደጋጋሚ ዝርአ ምስልቻውን ሻቕሎትን ከምኡ ድማ፡ ብብዝሒ ዘጋጥሙ መሰረት ዘይብሎም ሓሳባትን ብዛዕባ መጻኢ ፍርሒን ከምዘጠቓልል ክኢላታት ይገልጹ።

ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ካናዳውያን ተመራመርቲ፡ ኣብ ሂወት ሓደ ካብ ኣርባዕተ ሰባት ብጸገማት ጭንቀት ከምዘጋጥሞም ኣረዲኦም።

ምሽጋር ወይ ምጭናቕ ምስ ግዜ ክብድ ዝበለ ናይ ኣእምሮ ወጥሪ ዘስዕብን ነቲ ዘጋጠሞ ውልቀ-ሰብ ድማ ኣብ ስራሑን ካልእ ንጥፈታቱን ኣድህቦ ንኸይገብር ዝዕንቅጽን ከምዝኸውን እቶም ተመራመርቲ ወሲኾም ሓቢሮም።

መዓልታዊ ዓሰርተ ደቒቕ ዝኸውን ኣስተንትኖ ምክያድ ግን፡ ኣእምሮ ሰባት ካብ ምህውታት ኣድሒኑ ኣብ ዕዮኦም ኣድሂቦም ንኽሰርሑ ከምዘኽእሎም እቶም ተመራመርቲ ዩኒቨርስቲ ‘ዋተርሉ ኦንታሪዮ’ ካናዳ ኣብሪሆም።

ኣብቲ መጽናዕቲ ናይ ጭንቀት ምልክት ዝነበሮም 82 ሰባት ክሳተፉ ከለዉ፡ ኣብ ክልተ ጉጅለ ከምዝመቓቐሉ’ዮም ተገይሮም። እቶም ፍርቆም ኣብ ሓደ ኣስተንትኖ ናይ ኣእምሮ ዝጠልብ ንጥፈታት ኣተኵሮም ከምዝዋስኡ ክግበሩ ከለዉ፡ እቶም ፍርቂ ድማ፡ ናይ ድምጺ ትረኻ ከምዝሰምዑ ተገይሮም። ክልተኦም ጕጅለ ነቲ ዝተዋህቦም ዕማም ንምትግባር ዓሰርተ ደቒቕ’ዩ ተዋሂቡዎም።

እቶም፡ ኣብ’ቲ ዝተዋህቦም ንጥፈት ምሉእ ኣእምሮኦም ገይሮም ዝተዋስኡ፡ ነቲ ዝተዋህቦም ዕዮ ብዓወት ከሰላስልዎ ከለዉ፡ እቶም ዘይገበሩ ግና፡ ክህውትቱን ክጭነቑን ከምዝተረኽቡ እቶም ተመራመርቲ ሓቢሮም። ካብ’ዚ ብምብጋስ ድማ፡ ኣብ ግዜ ምጭና ቕንዓሰርተ ደቒቕ ዝኸውን ኣስተንትኖ ምግባር ካብ’ቲ ጸገም ዘገላግል ስለዝዀነ፡ ሰባት ክጥቀምሉ እቶም ተመራመርቲ ኣተሓሳሲቦም።

“ዝጭነቑ ሰባት፡ ንሓደ ሓሳብ ደጋጊሞም ስለዝሓስብዎ ኣብ መወዳእታ ጭንቀት’ዩ ዝፈጥረሎም። እንተዀነ፡ ኣብ ከምዚ ህሞት ከለዉ፡ ኣእምሮኦም ወይ ኣተሓሳስባኦም ተቖጻጺሮም ንዓሰርተ ደቒቕ ዝኸውን ምስ ዘስተንትኑ ካብ’ቲ ጸገም ክገላገሉ ክጅምሩ’ዮም” ይብል መራሒ ናይቲ መጽናዕቲ ቹ። ሚስተር ቹ ኣስዒቡ፡ ብፍላይ መራሕቲ መካይን፡ ብሰንኪ ምህውታት ኣተሓሳስባኦም ኣብ ሓደጋ መታን ከይወድቁ፡ ንድሕነቶም ክብሉ ናይ ምስንታን ግዜ ፈልዮም ከተግብሩ መኺሩ።

ምንጪ: internet


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com