Friday , May 17 2024

ምስፍሕፋሕ ኮቪድ 19 ኣብ መዓስከር ሓተቲ ዑቕባ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ።

ኣብ መዕቆቢ ሓተቲ ዑቕባ ማዓስከራት ለበዳ ኮቪድ 19 ኣሻቓሊ ኮይኑ ከምዘሎ ኣገልግሎ ዜና ኤኮት ጸብጺቡ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ዳርጋ ኣብቲ ብባዓል መዚ ኢመግራሽን ዝእለይ ካምፕ ወይ ዉን ሓባራዊ መንበሪ ስደተኛታት፣ ብሰንኪ ጽበትን ሕጽረት ዝተፈላለዩ መሰረታዊ ናዉቲ መከላኸልን፣ ንምልባዕ ቫይረስ ኮሮና ዝተቓልዐ ብምዃኑ፣ እቲ ሻቕሎት እንዳዓበየ ምምጽኡ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ባዓል መዚ ኢመግረሽን ብሰንኪ ኮቪድ 19 ዝተፈጥረ ዓለማዊ ኩነታት ጉዳዮም ዝተነጸጉ ካብ ሽወደን ናብ ዝመጽዎ ዓድታት ክምለሱ ዝባሃሉ ሓተቲ ዑቕባ፣ ምምላስ ደዉ ስለዘበሎ ዛጊት 300 ሚእቲ ዝኾኑ ነናብ ዓዶም ክምለሱ ዝነበሮም ሰባት ኣብቲ ማዓስከር ይነብሩ ምህላዎም ይፍለጥ። በቲ ዘሎዎም ኩነታት መነባብሮ ንምክልኻል ኮቪድ 19 ዝተልቦ ኩነታት ብዘይምህላዉ ስግኣት እቶም ሰባት ከምዝዓበየን ዝምልከቶ ኣካል ፍታሕ ክገብረሎም ከምዝተማሕጸኑ፣ በመገዲ እቲ ማዕከን ዜና ጸዉዒቶም ኣቕሪቦም ኣሎዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com