Wednesday , May 15 2024
Credit: Henrik Montgomery/TT.

ሩስያ ኣብ ሽወደን እተካዶ ኣገባብ ስለያ ከም ትቕይር።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሽወደን ከተካይዶ ዝጸንሐት ኣገባብ ስለያ ብምቕያር፡ ብሓድሽ መልክዕ ትንቀሳቐስ ምህላዋ፡ ኣገልግሎት ድሕነት ሽወደን (Säpo) ኣጠንቂቑ። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ኤምባሲ ሩስያ ኣብ ሽወደን ማእከል መዋፈሪ ስለያዊ ንጥፈታት እኳ እንተነበረ፡ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣውሮጳ (እንተላይ ሽወደን) ንኣባላት ኤምባሲ ካብ ሃገረን ድሕሪ ምስጓጐን፡ ሩስያ ኣገባብ ስለያኣ ምቕያራ Säpo ገሊጹ።

“ሩስያ ን ዲያስጶራ ሩስያውያን፡ ከምኡ’ውን ንትካላትን መድረኻትን ሽወደን ከም ምንጪ ስለያዊ ሓበሬታ ጌራ ክትጥቀም ትኽእል እያ ዝብል ትጽቢታት ኣሎና” ክትብል ሓላፊት ሳፖ ሻርሎት ቮን ኤሰን ን ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com