Friday , May 17 2024
Russian Foreign Minister Sergei Lavrov (Jean-Christophe Bott/Keystone via AP) KEY129

ሩስያ ካብ ቆንስል ኣውሮጳ ተባሪራ። 

ብምኽንያት ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝፈጸመቶ ወራር ትማል ረቡዕ ሩስያ ካብ ቆንስል ኣውሮጳ ከም እተሰጐገት ተገሊጹ።.

ኣብ ምፍላም እዚ ሰሙን ኣትሒዙ ኣብ መስርሕ ዝጸንሐ ቆንስል ኣውሮጳ ሩስያ ካብ ኣባልነት ክትስጐጒ ብምሉእ ድምጺ ወሲኑ’ሎ። እቲ ቆንስል ትማል ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እዩ ሩስያ ካብ ኣባልነታ ክትስረዝ ምዃና ኣፍሊጡ ዘሎ። 

ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ሃገሩ ትሰጐጒ ኣይትሰጐጒ ካብቲ ውድብ ድሮ ወጺኣ ምንባራ ምስ RBK ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሩስያ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጹ። ኔቶን ኣውሮጳዊ ሕብረትን “ዘለወን ብዝሒ ድምጺ ተጠቒመን ነቲ ቆንስል ጸረ ሩስያ ፖሊሲ ንኽወስድ ክሰርሓ ምጽንሐን” እውን ከሲሱ። 

ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ዩክሬይን ዲሚትሮ ኩለባ ነቲ ውሳነ ብሓጎስ ከም ዝቕብሎ ድሕሪ ምግላጽ “ሩስያ ንዩክሬይን ወሪራ ብዙሕ ገበናት ኲናት ድሕሪ ምፍጻማ ኣብ ጒባኤታት ኣውሮጳ ቦታ ክህልዋ ኣይክእልን እዩ” ኢሉ’ሎ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com