Saturday , May 18 2024

ሬሳ ናቫልኒ ናብ ኣዲኡ ይምለስ

Imprisoned Russian opposition politician Alexei Navalny is one of the final candidates for the EU Parliament's Sakharov Prize for Freedom of Thought (AP Photo/Alexander Zemlianichenko) XSG107

ሬሳ ሩስያዊ መራሒ ተቓዋሚ ኣሌክሲ ናቫልኒ ናብ ኣዲኡ ከምዝተመለሰ ወሃቢት ቃሉ ገሊጻ። ኪራ ያርሚሽ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝለጠፈቶ መልእኽቲ፡ ንኹሎም ሬስኡ ክርከብ ዝጸዓሩ ሰብመዚ ኣመስጊና። እቲ ቀብሪ ገና ኣይተኻየደን" ክትብል ኪራ ጽሒፋ። ኣደ ናቫልኒ ልዩድሚላ "ምስጢራዊ" ቀብሪ ክገብር እየ ኢላ ክተማማዕ ጸቕጢ ከም እተገበረላ እዩ ዝግለጽ ። ኣብዚ ምስምማዕ እንተኣቢያ ግና ኣብታ ዝሞተላ ቤት ማእሰርቲ ክቕበር ምዃኑ እዩ ተነጊርዋ። በዚ ድማ ዝሓለፈ ሰሙን ነታ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝቐረበት ከተማ እያ ኣሕሊፋታ። ነዚ ዝገበረትሉ ምኽንያት ዝዓረፈሉ ቦታ ከተረጋግጽ ብእኡ ኣቢላ ኸኣ ክምለሰላ ንምሕታት እያ። ብ ተፈጥሮኣዊ ምኽንያት ምሟቱ ዘልጽ ሰነድ ድሕሪ ምፍራማ፡ ድሕሪኡ ነቲ ዝቐረባላ ሕቶ ክትሰማማዕ ወይ ክትነጽግ ሰለስተ ሰዓታት ተዋሂብዋ ። ናቫልኒ ብ16 ለካቲት ኣብ ውሽጢ ዓንኬል ኣርክቲክ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ሩስያ እዩ ዓሪፉ። ብልክዕ እንታይ እዩ ኣጋጢሞዎ ብልክዕ ዝፍለጥ ነገር የለን–ዛጊት።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com