Wednesday , May 15 2024
Foto: Vg-Shipping / TT / Handout / kod 10500 **OBLIGATORISK

ሰለስተ ናይ ሩስያ መራኽብ፡ ኣብ ካቴጋት፡ ዓሺገን

ካብተን ብሰሉስ ካብ ባሕሪታት ባልቲክ (Baltic Sea) ዝተበገሳ፡ 6 መራኽብ ናይ ሩስያ፡ እተን 3፡ ኣብ ካቴጋት ዝዓሸጋ ጸብጻባት ሓልይልታት ምክልኻል ሽወደን ይገልጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ኽገብራ ዝተገደዳ ምናልባት ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝተራእየ ሕማቕ ኩነታት ኣየር፣ ማዕበልን ንፋስን ክኸውን ከምዝኽእል ምንጭታት ይሕብሩ።
ምንቅስቓስ ናይተን መራኽብ ንከታተል ኢና ዘለና። ምስ ጎረባብትና ኮነ ምስ ካልኦት ማሓዙት ሃገራት ጽቡቕ ምርድዳእ እዩ ዘለና” ክትብል፡ ዋሃቢት ቃል ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን፡ ቴረዘ ፋገርስቴድት፡ ኣፍሊጣ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሞስኮ፡ ብርክት ዝበላ መራኽብ ናብ ባሕሪ ባልቲክ ከም ዘምጸአት ዝዝከር’ዩ። ብሓፈሻ ድማ ካብቲ ልሙድ ውጽእ ብዝበለ፡ 6 ዝኾና መራኽብ ኣብቲ ከባቢ ከም ዝተራእያ እዩ ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን ዝገልጽ። ብሰሉስ፡ ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን፡ እተን 6 መራኽብ፡ ካብቲ ከባቢ ባሕሪ ባልቲክ ከምዝተንቃሳቐሳ ኣፍሊጡ’ሎ።
እተን ብሮቡዕ ኣብ ካቴጋት ዝዓሸጋ 3 መራኽብ፡ ኣካል ናይ ሩስያ ሰሜናዊ ጭፍራ መራኽብ ከምዝኾና ተፈሊጡ’ሎ።
ከም SMHI እንተኾይኑ፡ ሮቡዕ ምሸት ኣብቲ ከባቢ ሓያል ኣውሎ ንፋስ ከጋጥም ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ። ሓሙስ ድሕሪ ቀትሪ፡ እቲ ንፋስ ክሃድእ ትጽቢታት ከምዘለው ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ከም ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን እንተኾይኑ፡ ብሰንኪ ናይዘን መራኽብ፡ ካብ ባሕሪ ባልቲክ ምንቅስቓስ ተተሓሒዙ፡ እቲ ኣብ ጎትላንድ ክህሉ ዝግብኦ ዝነበረ ናይ ደገፍ መስርሕ ምስቲ ናይ ምትዕጽጻፍን ድሉውነትን ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ ከምዘፍለጠ ተሓቢሩ’ሎ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com