Friday , May 17 2024
Foto Fredrik Persson / TT / kod 1081

ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ን ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ “እወ” ዝብል ድጋፉ ሂቡ።

ትማል ሰንበት፡ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ን ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ “እወ” ዝብል ድጋፉ ብምሃብ፡ ታሪኻዊ እዩ ዝተባህለሉ ውሳነ ኣሕሊፉ’ሎ።

ድሕሪ ቅሉዕ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን፡ ሽወደን ኣባል ኔቶ ናይ ምዃን መርገጺኣ ዳግመ ግምት ክትገብረሉ ምዃና፡ ከተፍልጥ ምጽንሓ ዝዝከር እዩ። እዚ ኣብ ኣኼባ ቦርድ ሰልፊ ዝተበጽሐ ውሳነ፡ እቲ ሰልፊ ንዓሰርተታት ዓመታት ሕዝዎ ዝጸንሐ መርገጺ ዝቐየረ ኮይኑ፡ ሽወደን ኣባልነት ኔቶ ንኽትሓትት መንገዲ ዝጸረገ ውሳነ እዩ ተባሂልሉ’ሎ። “ዘይሻራዊ መርገጺ ንግዜኡ ኣገልጊሉና እዩ፥ እንተኾነ ግና እዚ መርገጺ ንመጻኢ ዘገልግለና ኣይኮነን ኣብ ዝብል መደምደምታ ኢና በጺሕና ዘሎና” ክትብል መራሒት ማሕበራዊ ዴሞክራሲ፡ ከምኡ’ውን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን፡ ማግዳሌና ኣንደርሾን ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com