Thursday , May 16 2024
The Christian Democrats are proposing a relocation allowance for the unemployed to move where the jobs are.(Länkarna driver flyttfirma i Stockholm).

ሰልፊ ክሪስ ዲሞክራትና፡ ናይ መጓዓዝያ ኣበል ብዝምልከት፡ ሓድሽ እማመ ኣቕሪቡ

ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት፡ ስራሕ ንኽቑጸሩ ክብሉ ካብ ዝነብርሉ ቦታ ናብቲ ስራሕ ዝርከበሉ  ቦታ ኣብ ዝንቀሳቐስሉ እዋን፡ ንመጓዓዓዚኦምን ካልእን ዝኸውን ናይ 30 ሽሕ ክሮነር ክፍሊት ንኽወሃቦም ዘኽእል ሓድሽ እማመ፡ ብሰልፊ ክሪስ ዲሞክራትና ከምዝቐረበ፡ ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።

እዚ ኣብዚ እማመ ቀሪቡ ዘሎ መጠን ገንዘብ፡ እቲ ሰራሕተኛ ካብቲ ዝነበሮ ሂወት፡ ናብ ካልእ ሂወት ብምስግጋሮም፡ ንዕኡን ንመጓዓዝያን ዝኸውን እዩ ክብል፡ እቲ ሰልፊ ገሊጹ። እቲ እማም፡ ንሓደ ዓመት ኣብ ፈተና ክጸንሕ ምኳኑ ውን ተገሊጹ።

ኣብ ዓመተ 2015፡ ሰልፊ ክሪስ ዲሞክራትና፡ ነተመሳሳሊ ዕላማ ዝውዕል፡ 20 ሽሕ ክሮነር ወሲኑ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊንየን ግን ነቲ ተወሲኑ ዝነበረ መጠን ገንዘብ፡ ትሑት እዩ ኢሉ ከምዝገለጾ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com