Friday , May 17 2024

ሰራሕተኛታት መናበይ ዓበይቲ፡ ምልክታት ከየርኣዩ፡ ብኮሮና ቫይረስ ተለኺፎም

ኮሌጅ ካሮሊንስካ ዝገበሮ መባእታዊ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ 5% ካብቶም ኣብ ሸውዓተ መናበይ ዓበይቲ ዝሰርሑ ኣባላት፡ ብቫይረስ ኮሮና ከም እተለኽፉ ተገሊጹ።

ካብ ዝሓለፈ ግንቦይ ጀሚሩ፡ ተመራመርቲ ኮለጅ ካሮሊንስካ፡ ኣብ ልዕሊ 3000 ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ስቶክሆሎም ዝርከባ እንዳ መናበይ ዓበይቲ፡ መርመራ ኮሮና ከምዘካየደ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ መጠን ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ፡ ሰራሕተኛታት መናበይ ዓበይቲ፡ ብናህሪ ምውሳኹ ከም ተፈልጠን፡ 11 ካብኣቶም ድማ ዝኾነ ዓይነት ምልክታት ሕማም ዘየርኣዩ ምዃኖም ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ፕሮፌሰር ላርስ ኤንግስትራድ፡ ከምዝገለጾ፡ ተሰካሚ እዚ ቫይረስ እንከለኻ ናብ ስራሕ ምውፋር ክልኩል ምኳኑ ፍሉጥ እኳ  እንተኾነ፡ ተሰከምቲ ናይቲ  ቫይረስ ምኳኖም ዘይፈልጡ ሰባት፡ ናብ ስራሕ ይወፍሩ ምህላዎም ዝፍለጥ እዩ፡።እዚ ድማ ከቢድ ሽግር እዩ ክብል ይገልጽ።

እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ከም ቀንዲ ምንጪ ናይቲ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝረአ ለበዳ ቫይረስ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ክብል እቲ ፕሮፌሰር ወሲኹ ገሊጹ።

ነዞም ከምዚ ዝኣመሰሉ ሽግራት ንምፍታሕ፡ ተቐላጢፍና ነዞም ሰራሕተኛታት መርመራ ኮሮና ምግባር ከድልየና እዩ ክብል እቲ ፕሮፌሰር ሓሳቡ ኣቕሪቡ።

ሰፊሕን ስሉጥነት ዘለዎን ፍታሕ ምንዳይ ከድልየና እዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብ 30 ደቓይቅ ውጽኢት እንረኽበሉ መርመራ ንምርካብ መጽናዕቲ ነካይድ ኣለና። ኣብዚ እነካይዶ መጽናዕቲ እንተድኣ ተዓዊትና፡ ድሕሪኡ ዝመጹ ነገራት ክቃለሉ እዮም ክብል እቲ ፕሮፌሰር ጸብጻቡ ዛዚሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com