Friday , May 17 2024
Australian Prime Minister Scott Morrison (Joel Carrett/AAP Image via AP) SYD801

ሰራሕተኛታት ባይቶ ኣውስትራልያ: ጾታዊ ምትንኻፋት ይወርደን ምህላዉ ተገሊጹ   

ሲሶ ዝኾና ሰራሕተኛታት ባይቶ ኣውስትራልያ: ጾታዊ ምትንኻፋት ከም ዝወርደን ሓደ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ኣባል ስታፍ ባይቶ ነበር: ብሪታኒ ሂጊንስ: ብመሳርሕታ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስተር: ጾታዊ ዓመጽ ከም እተፈጸማ ድሕሪ ምግላጻ እዚ መርመራ ክግበር ልእኽቶ ከም እተዋህቦ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።

ንሳ ዝወረዳ በደል ድሕሪ ምግላጻ: ኣብ ከተማ ካንቤራ: ዝካየድ ዘሎ ቀይዲ በተኽ ተግባራት: ዓቢ መዘራረቢ ጒዳይ ኮይኑ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።

ጾታዊ ዓመጽ ዝወርደን: ዝበዝሓ ደቀንስትዮ ምዃነን: ፍልይቲ ልእኽቲ ምጽናዕቲ ጾታዊ ኣድልዎ: ኬት ጀንኪንስ: ሓቢራ’ላ።

ብመሰረት Set the Standard ዝተባህለ ሓደ ጸብጻብ 51% ካብ ኣባላት ባይቶ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ምንግልታዕ፥ ከምኡውን ፈተነ ጾታዊ መጥቃዕቲን ውዱእ ጾታዊ መጥቃዕቲን ከም እተፈጸመን ገሊጸን ኣለዋ።

“ከምዚ ዝኣመሰለ ተመኲሮ ኣብ ልዕሊ እተን ግዳያት: ከቢድ ስንብራት ዝገድፍ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ: ኣብ ኣሳልጦ እዚ ፖለቲካዊ ትካል እውን ዓቢ ዕንቅፋት ዝፈጥር እዩ” ክትብል ነቲ ጸብጻብ ዘዳለወት: ጀንኪንስ: ገሊጻ’ላ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰን ነዚ ጒዳይ ጸማም እዝኒ ብምሃቡ: ነቐፌታ ክዘንቦ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com