Thursday , May 16 2024

ሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ናይ ምቁጻር ኣገልግለቶም ገዲፎም ይወጹ።


ብዝሒ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ናይ ምቁጻር ኣገልግሎቶም ገዲፎም ይወጹ ከምዘለውን እዚ ድማ ኣሽቃሊ ጉዳይ ምኻኑ ይሕበር። ከምዝፍለጥ ቤት ጽሕፈት ዕዪ ኣብዚ እዋን ኣብ ረፎርም ወይ ድማ ለውጢ ኣብ ኣሰረሓሓቱ ኣብ ምግባር ይርከብ። ኣብዚ መስርሕ ለውጥታት ድማ ብዝሒ ዘለዎም ኣገደስቲ ሰባት ካብቲ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ስረሖም ይገድፉ። ነዚ ተርእዮ ድማ ገለ ሰራሕተኛታት ናይቲ ቤት ጽሕፈት ከም ኣሻቃሊ ሓደጋ ብምባል ክገልጽዎ ከልዉ ገለ ማሕበር ሰራሕተኛታት ድማ ከም ምፍላስ ሰራሕተኛታት(personalflykt) ኢሎም ይሰምይዎ። ሓላፊ ምምሕዳር ኣብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ኣንደሽ ፐርሶን ግን ነዚ ኩነታት ከም ንቡርን ተፈጥሮኣዊ ተርእዮ ኣብ ጊዜ ለውጢ ኢሉ ይገልጾ።

ቤት ጽሕፈት ዕዮ ኣብ ታሪኩ እቲ ዝዓበየ ለውጢ ኣብ ምግባር ይርከብ። ብ መሰረት ስምምዕ ናይቲ 73 ነጥብታታ ዝሓዘ ኣብ መንጎ ኣጋር ሰልፍታት ዝተገብረ ድማ ድሕሪ እቲ ለውጢ ናይ ግሊ ኣራከብቲ ስራሓት እቲ ዝዓበየ ክፍሊት ምርካብ ደላይ ስራሓን ሰራሕተኛታታን ኽሽፍና እየን ። ድሕሪ ምጽዳቅ ባጀት ሰልፊታት ክሪስታን ደሞክራትን ሞደራትን ቤት ጽሕፈት ዕዮ ብምክንያት ሕጽረት ባጀት ዳግመ ምውዳብ ቤት ጽሕፈታቱ ንምግባር ተገዲዱን በዚ ድማ ኣስታት ፍርቂ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ኣብ መላእ ሃገር ካብ ዝርከባ ዝነበራ ክዕጸዋ እየን።
ብመሰረት ተውጢኑ ዘሎ ፕላን ድማ ዳግመ ምውዳባት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ኣብ ዓመተ 2021 ፡ ምዕጻው ቤት ጽሕፈታት ድማ ኣብ ዓመተ 2020 ኽፍጸምዩ። ኣብዚ ግዜ ድማ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣገደስቲ ኪኢላታቱ ገዲፈሞ ይወጹ ኣለዉ። ከም ኣብነት ኣስታት 164 ካብቲ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ብድልየቶም ስራሕ ገዲፎሞ ካብዚዮም ድማ 14 ብጥሮታ ዝወጹ እዮም ። ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኣስታት 1400 ዝኮኑ ሰራሕተኛታት ይሓቁፍ። መብዛሕቶም ስራሕ ዝገደፉ ድማ ኣገደስቲ ቦታታት ዝነበሮም ብሙካኑ ነቶም ብድሕርዮም ዝተረፉ ከቡድ ምኻኑ ምንጭታት ካብቲ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ሶልና ዝርከብ ይሕብሩ። ኣብታ ዘላታ ተወሰከታ ድማ ብዙሓት ስራሕ ደው ከብሉ ትጽቢታት ኣሎ ምክንያቱ ኣብ ሃገረ ሽወደን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ካብ ስራሕ ምዕራፍ tjänstledigt ንምፍታን ካልእ ናይ መንግስታዊ ስራሕ ይፍቀዶምዩ። ጸብጻባት እቲ ቤት ጽሕፈት ከምዝሕብሮ ኣስታት 75 ናይ ሙሉእ ስራሕ ዝከውን ከምዝትንክፍዩ ፥ ምስ መጀመርታ መፋርቅ እዚ ዓመት ኪነጻጸር ከሎ ድማ እዚ ብዕጽፊ ይበልጾ። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ብጠቅላላ ኣስታት 1200 ሰራሕተኛታት ብድልየቶም ስራሕ ገዲፎም። ሓላፊ ናይ ማሕበር ስራሕተኛታት ST ፍረድሪክ ኣንደርሶን ነዚ ኩነታት ኣሰካፊ ኢሉ ይገልጾ። ብተውሳክውን ንሱ ከምዝገለጾ ምግዳፍ ስራሕ ኣብቲ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ከምዘይትሕጸረን ነቲ ተወጢኑ ዘሎ ምቅይያራይ ኣብ 2021 ን ምውዳኡ ኣብ ሕቶ ምልክት ከምዘትዎዩ። ነዚ ኩነታት ድማ ከም ምፍላስ ሰራሕተኛታት ኢሉ ይሰምዮ። ንሱ ከምዝብሎ ክልተ ምክንያታት ነዚ ምፍላስ ሰራሕታኛ ኣከቲሉ፡ ቀዳማይ ምእዋጅ ምጽልጻል ሰራሕተኛታት ኣብ መፋርቅ መጀመርታ ወርሕታት በዚ ድማ መብዛሕትዮም ቅድሚ ምትንኻፎም ብውልቆም ናይ ስራሕ ምቅያር ወሲዶም እቲ ካልኣይ ምክንያት ድማ ዕጫ እቲ ጽሕፈት ቤት ንዝመጽእ ግዜ ንጽር ብዘይምኻንዩ ምክንያቱ ፖለቲከኛታት ኣብቲ ምቅይያራት ናይቲ ቤት ጽሕፈት ነናቶም ሪእይቶታትን ብምህላዎም ባይታ ዘይምትእምማን ፈጢሩ ይብል።
ሓንቲ ሰራሕኛ ኣብ ምፍታን ክልእ ስራሕ ትርከብ ባሃር ፋራዝ ንኩነታይ እቲ ቤት ጽሕፈት ክትገልጾ ከላ ፥ ሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት ዕዪ ኣዝዮም ኪላታት ሙካኖምን ግን ብዝቅዓቶም ንክጥቀሙ ግን ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ነገራት ኣዝዩ ይጸልዎን ን ኣብነት ዕማም እቲ ቤት ጽሕፈት ኣዝዩ ከቢድ ክነሱ ብ ፖለቲካ ክጽለው እንከሎ።
ሓላፊ ምምሕዳር ኣብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ኣንደሽ ፐርሶን ነዚ ኩነታት ምጉዳል ሰራሕተኛታት ከም ዘሎን እዚ ድማ 164 ካብ 1500 ሰራሕተኛታት ካብቲ ማእከላይ ቤት ጽህፈት ስራሕ ከምጽገደፉን እዚ ድማ 11% ሙካኑን እዚ ካብቲ ንቡር ከምዝወሰከን ብምሕባር ግን ንሱ ነዚ ዘሎ ኩነታት ምፍላስ ሰራሕተኛታት ክብሎ ከምዘይክል ይሕብር።
ንሱ ነዚ ኩነታት ከም ንቡርን ተፈጥሮኣዊ ተርእዮ ኣብ ጊዜ ለውጢ ኢሉ ይገልጾ። ብምቅጻል እዉን ኣብ ከምዚ ዓይነት ለውጥታት ናይ ምጉዳል ሰራሕተኛታት ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ ምክንያቱ ገልዮም ብ ምክንያት ሕጽረት ስራሕ ወዲኦም ገሊዮም ድማ ባዕሎም ስራሕ ገዲፎም። ኣብዚ ሓጸረ ግዜ ድማ ቤት ጽሕፈት ዕዪ ኣሰራርሑ ስሉጥ ንምግባርን ነቲ ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ባይታ ንምንጻፍን ሰሪሑ ሳዕቤናት ናይዚ ድማ ሕጽረት ናይ ስራሕ ኣስዒቡ በዚ ምክንያት ድማ እቲ ቤት ጽሕፈት ድማ ሰራሕዝተኛታቱ ከጉድክ ተገዲዱ።

ጸብጻብ/fakta : ካብ ስራሕ ደው ዝበሉ ኣብ ዓመተ 2019
– 164 ሰራሕተኛታት ካብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት
– ብሓፈሹኡ ካብቲ ቤት ጽሕፈት 2467 ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ደው ኢሎም ካብዚኦም ድማ ኣስታት 1238 ብድሌቶም ካብ ስራሕ ደው ዝበሉ ኢዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com