Friday , May 17 2024

ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ወሰኽ ደሞዝ ክግበረሎም ይትስፈዉ።

ኣብ ሉድቪካ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት “ሂታቺ ኤነርጂ” ንክብሪ ናብራ ኣብ ግምት ዘእተወ ወሰኽ ደሞዝ ክግበረሎም ተስፋ ጌሮም ምህላዎም ገሊጾም። መጠን ዝቕባበ ክብ ከም ዝብል ዝገብር እዩ ብምባል፡ ማሕበራት ንግድ ኣብ ምውሳኽ ደሞዝ ጥንቃቐ ክግበር እየን ዝመኽራ።

ሰራሕተኛ ፋብሪካ ሚካኤል ፐርሾን “ኲልሳዕ ናይ 2.5% ወሰኽ ሸቶ ኢና ክንገብር ጸኒሕና፡ መታን ናይ 4 ወይ 5% ክንረክብ ስለምንታይ ብሓንሳብ ናይ 10% ሸቶ ዘይንገብር” ክብል ኣብዚ መትከል ማሕበራት ንግድ ከም ዘይሰማማዕ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዘገበሮ ቃለ መሕትት ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com