Wednesday , May 15 2024
(AP Photo/Marcio Jose Sanchez, File) NY114

ሰርሰርቲ (Hackers) ዝሰረቕዎ፡ 5 ቢልዮን ዶላር፡ ክመልሱ ወሲኖም

ኣብ ዓለም ዝበዝሐ ስርቂ ዝፈጸሙ ሰርሰርቲ፡ ንዝወሰድዎ ገንዘብ ክመልሱ ከም ዝደልዩ ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

“ንዓና ዝወዳደር ከም ዘየሎ ኣመስኪርና ኢና” ክብሉ እቶም ሰርሰርቲ ንነብሶም ወዲሶም። ዓሰርተታት ኣሽሓት ዓማዊል፡ ብድምር፡ 600 ሚልዮን ዶላር ክኸስሩ እንከለዉ ብጠቕላላ 5.2 ቢልዮን ዶላር በዚ ከም እተራሰየ ፖሊ ኔትዎርክ ሓቢሩ። እቲ መርበብ፡ ነቲ ራስያ ድሕሪ ምቅላዕ እቶም ሰርሰርቲ፡ ነዚ ገንዘብ ክመልስዎ ድሌት ከምዘለዎም ገሊጹ። “እዞም ሰረቕቲ ነቲ ገንዘብ ዝመልስዎ ይመስሉ ኣለዉ፡ ከም መርኣያ ሓቅነቶም ድማ 10 ሽሕ ዶላር ዝዋግኡ ክሪፕቶካረንሲ፡ መሊሶም ኣለዉ ክብል ማዕከን ዜና ኮይንዴስክ ጽሒፉ።

እቶም ሰርሰርቲ፡ ኣድራሻ እንተ ተላኢኽሎም ነቲ ገንዘብ ክመልስዎ ምዃኖም ነቲ መርበብ ተማባጺዖምሉ ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com