Sunday , May 19 2024
Credit: Adam Wrafter/SvD/TT, Private

ሰብመዚ ኢሚግሬሽን ኣብ ልዕሊ ግብረሰዶማውያን ሓተትቲ ዕቚባ በደል ይፍጽሙ ኣለዉ ክብል ሓደ ትካል ገሊጹ።

ኣብ ሽወደን ዝዓበየ ትካል መሰል ግብረሰዶማውያን (LGBTQ) ዝኾነ RFSL ን 1360 ውሳነታት ዑቕባ ኣመልኪቱ ኣብ
ዝገበሮ ገምጋም፡ ብምኽንያት ጾታዊ ሕርያኦም ዑቕባ ዝሓቱ ሰባት ውልቃዊ ገምጋም ከም ዘይረኽቡ ገሊጹ። ጠበቓ ሕቶ ዑቕባ
ከምኡ’ውን ኣዳላዊ እቲ ጸብጻብ ኣይኖ ግሮንዳል፡ ሰብመዚ ኢሚግሬሽን ኣብ ልሙድ ኣተሓሳስባታት ተሞርኪሶም ውሳነ ይህቡ
ምህላዎም ይዛረብ። ብራይት ቦኣቴንግ ኣብ 2012 እዩ ካብ ጋና ናብ ሽወደን መጺኡ፡፡ እንተኾነ ግና ናይ ዑቕባ ሕቶኡ ተነጺጉ እዩ።
ንሱ፡ ኤጀንሲ ኢሚግሬሽን ሽወደን ብዛዕባ ጾታዊ ሕርያኡ ዘቕረቦ ምጒት ከም ዘይኣመኖን፡ ነዚ ድማ ግብረሰዶማውያን ብኸመይ
ይዛረቡን ይዋስኡን ንፈልጥ ኢና ኣብ ዝብል ግምታት ዝተሞርኮሰ ምንባሩን ይዛረብ። ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት፡ ባይቶ
ኡጋንዳ ኣብ ዓለምና ካብቶም ዝጸንከሩ ዝተባህሉ ሕጊታት ጸረ ግብረሰዶማውያን ኣጽዲቑ’ሎ፡፡ ብመሰረት እዚ ሕጊ ዝኾነ
ብግብረሰዶማዊ ተግባራት ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኸበ ሰብ፥ ብ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ቫይረስ ኤች ኣይ ቪ እናሃለዎ ነዚ ዝፈጸመ ኸኣ
ብሞት ክቕጻዕ ይኽእል እዩ።
ሽወደን ነዚ ሓድሽ ሕጊ ኡጋንዳ ከመይ ዝበለ ግብረመልሲ ክትህብ ከም ዘለዋ፥ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝካየድ ዘሎ
ፈስቲቫል “ገይ ፕራይድ” ተዘትዩሉ።
“ብዙሓት ተኣሲሮም፡ ካልኦት ብዙሓት ከኣ ይስጎጉ ኣለዉ፡ ክሃድሙ ዝደልዩ ሰባት ጃምላዊ ስደት ኣሎ” ትብል ኡጋንዳዊት
ኣክቲቪስት መሰል ግብረሰዶማውያን ፑሪቲ ቱሙክዋሲብዌ።

Credit: Adam Wrafter/SvD/TT, Private

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com