Friday , May 17 2024
Sudanese Prime Minister Abdalla Hamdok. Archive image from September this year (AP Photo/Marwan Ali) DV102

ሱዳናውያን ፖለቲከኛታት፡ ካብ ትሕቲ ቀይዲ ነጻ ተለቒቖም

ኣብቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ሱዳን፡ ብርክት ዝበሉ ናይ ሱዳን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ምንባሮም ይዝከር። እዞም ሰበ ስልጣን፡ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ምስ ጀመሩ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ዘይኣክል፡ ካብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝልቀቑ ከምዝተገብረ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፡ ዓብደላ ሓምዶክን መራሒ ወተሃደራዊ ሓይልታት ሱዳን፡ ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ንምፍታሕ ናይ ኩሎም ሲቪላውያን ብዝምልከት ስምምዕ እኳ እንተተበጽሐ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ብምጽነሖም፡ መግለጺ ተቛውሞ፡ መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ከምዘካየዱ፡ ካብታ ሃገር ዝተረኽቡ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ብርክት ዝበሉ ሰበ-ስልጣን፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘለዉ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com