Thursday , May 16 2024
Protesters in Khartoum, Sudan, on Monday. (AP Photo/Marwan Ali) MA102

ሱዳን . . . ኣብ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ክልተ ሰባት ሞይቶም

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሱዳናውያን፡ ብሰኑይ መዓልቲ፡ ናብ ጽርግያታት እታ ርእሰ ኸተማ፡ ኻርቱምን፡ ካልኦት ከተማታትን ብምውጻእ ኣንጻር እቲ ቅድሚ 3 ኣዋርሕ ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ወታሃደራዊ ጁንታ ተቓውሞ ኣስሚዖም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፡ ነቶም ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ናይታ ከተማን ኣብ ዙርያ እቲ ብሓለዋ ተሓጺሩ ዘሎ ፕረዚደንታዊ ቤት ጽሕፈት ዝነበሩ ሰልፈኛታት ንምብታን፡ መንብዒ ጋዝ ከም ዝተኮሱ ተፈሊጡ። ኣብ ኢንተርነት ዝተለቐቑ ቪድዮታት፡ ሓይልታት ጸጥታ ነቶም ሰልፈኛታት ብመንብዒ ጋዝ ክብትኑዎም እንዳፈተኑ ከምኡ ድማ እቶም ተቓወምቲ ካብኦም ክሕብኡን ደናጉላ ናብቶም ሓይልታት ጸጥታ እንዳደርበዩን ከምዘቃለሑ ተፈሊጡ’ሎ።

ሓይልታት ጸጥታ ተዂሲ ምስ ከፈቱ፡ ካብቶም ተቓወምቲ፡ ክልተ ሰባት ከምዝተቐተሉ እቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሓኻይም ኣቃሊሖም።

እቲ ወታሃደራዊ ዕልዋ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዓመተ 2019 ዝተኻየደ ህዝባዊ ምልዕዓል ስዒቡ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ንሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝገዝአ ውልቀ-መላኺ ፕረዚደንት ዑመር ኣል በሽር፡ ሱዳን ናብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት እትገብሮ ዝነበረት ምስግጋር ዝገትአ ፍጻመ ከም ዝኾነ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ከም ጸብጻብ ናይ ሕክምና ክኢላታት እንድሕር ኮይኑ፡ ዛጊት ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ዕለት 25 ዝተኻየደ ዕልዋ ስዒቡ ክሳብ ሕጂ፡ 75 ሰባት ከም ዝሞቱን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ድማ ጉድኣት ከም ዝበጽሖምን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com