Sunday , May 19 2024
Credit: Pontus Lundahl / TT

ሳፖ፡ “ደረጃ ስግኣት ግብረሽበራ ሽወደን ካብ 5 ነጥቢ ኣብ 3 ይርከብ”

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ናብ ሽወደን ንዝገሹ ዜጋታቱ ኣመልኪቱ ዝጸንሐ ናይ ጒዕዞ ምኽሪ እኳ እንተቐየሮ፡ ኣገልግሎት
ስለያን ጸጥታን ሽወደን (Säpo) ግና፡ እቲ ሃገራዊ ስግኣት መጥቃዕቲ ግብረሽበራ ካብ ሓሙሽተ ደርጃ ኣብ ሰለስተ ኮይኑ ይቕጽል
ምህላዉ፥ እዚ ድማ ካብቲ ዝነበሮ ይወስኽ እምበር "ልዑል" ዝበሃል ከም ዘይኮነ ኣስሚሩሉ። ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ
ብሪጣንያ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሽወደን ድሕሪ ዝተኻየደ ምቅጻል ቁርኣን፥ ኩነታት ጸጥታ እናተጋደደ ምምጽኡ ከም ምኽንያት
ብምልዓል፡ ናብ ሽወደን ክገሹ ዝሓስቡ ብሪጣንያውያን ዝሃቦ ለበዋ-ጒዕዞ ካብ “ውሑስ” ናብ “ኣስጋኢ” ቀዪርዎ’ሎ። ቤት
ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ፡ ኣሸበርቲ ኣብ ሽወደን መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ክፍትኑ "ልዑል ተኽእሎ" ከምዘሎ
ድሕሪ ምጥንቃቕ፡ ብሪጣንያውያን ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ከጒድሉ ለበዋኡ ኣመሓላሊፉ’ሎ። ሚኒስተር
ፍትሒ ሽወደን ጉና ስትሮመ፡ እቲ ሓድሽ ምኽሪ ጉዕዞ ዓባይ ብሪጣንያ ብመሰረቱ ምስቲ ሰበስልጣን ሽወደን ዝበልዎ ዝሰማማዕ
ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። እንተኾነ ግና ኣፈኛ ሳፖ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዋላ’ኳ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ዝዛይድን
ዝተፈልየን ስግኣት ግብረሽበራ እንተሃለወ፡ እቲ ሓፈሻዊ ገምጋም ግና ሽወደን ኣብ ልዑል ስግኣት ግብረ ሽበራ ምህላዋ ዘመልክት
ኣይኮነን ክብል ገሊጹ’ሎ።
ሳፖ፥ ህዝቢ ብኸመይ ክዋሳእ ከም ዘለዎ፡ ወይ ንግብረሽበራ ብዝምልከት እንታይ ክፈልጥ ከም ዘለዎ ዝኾነ ጭቡጥ ምኽሪ
ኣይህብን እዩ። እንተኾነ ግና፥ ፖሊስ ምዕራብ ሽወደን ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ እንኮ ንህዝቢ እንህቦ
ምኽሪ፡ ምንም ከይተረበሸ ህይወቱ ከምቲ ንቡር ክቕጽል እዩ ኢሉ’ሎ።

 

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com