Saturday , May 18 2024

ስለምንታይ ኢና ኣብ ሕሜት እንጽመድ?

ስለምንታይ ኢና ሰባት ብዛዕባ ምሳና ዘየለዉ ሰባት እንዛረብ? ስለምንታይከ ንኸውን ገለ ሰብ ምሳና ጸኒሑ ካባና ፍልይ ምስ በለ ብዛዕብኡ ሕማቕ ንዛረብ? ብሓጺሩ ስለምንታይ ኢና ኣብ ሕሜት እንጽመድ? ተመራመርቲ ስነ-ልቦና ብዛዕባ’ዚ ኣጽኒዕም ኣቕሪቦሞ ካብ ዘለዉ ነጥብታት ገለ ካብ መርበብ ሓበሬታ 2knowyourself.com ክንጠቅስ፡

ቅንኢ

 ሰባት ቅንኢ እንተ ደኣ ተሰሚዑና ኢና ብዛዕባ ሰባት ንዛረብ። ቅንኢ ዝተሰምዓና ሰባት፡ እቲ ንዛረበሉ ዘሎና ሰብ ትሕቴና ምዃኑ ንምእማን’ዩ ብዛዕብኡ ንዛረብ። እዚ ከኣ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ድሓን ንኽስምዓና ብምባል ኢና ንገብሮ። ክፉእ ሕልና ስለ ዘለና ከኣ፡ ነቲ ሰብ ካልኦት ሰባት ክጸልእዎ ምእንቲ ሐሕማቑ ጥራይ ኢና እነዕልል።

ነብሰምትሓት

ሰባት ብዛዕባ ምሳና ዘየለዉ ሰባት እንዛረብ፡ ልዕሊኦም መሲልና ክንረአ ውሽጣዊ ባህጊ ስለዘለና ኢና፡፡ ‘ኩስቶስ ንዓይ በሊጹኒ’ ዝብል ሕማቕ ኣተሓሳስባ ዘለና ሰባት፡ ናይ ግድን ኢና ኣብ ቅድሚ ካልኦት ሰባት ብዛዕባ’ቲ ሰብ’ቲ ሕማቕ ነገር ኣልዒልና ክንዛረብ፡ ብሉጻት መሲልና ክንረአ ምእንቲ’ዩ።

ስእነት ትብዓት

 ገሌና ሰባት ብቐጥታ ምስ ሰባት ምፍጣጥ ኣይንፈቱን ኢና፡፡ ካብዚ ዝብገስ ከኣ፡ ኣብ ክንዲ ገጽ ንገጽ ንገጥሞም፡ ንሶም ኣብ ዘየለውሉ ብዛዕብኦም ምስ ካልኦት ሰባት ምዝራብ ንመርጽ። እዚ ከኣ ቀንዲ ምልክት ስእነት ትብዓት’ዩ።

ሓደ ሰብ ብዛዕባ ዝዀነ ካልእ ሰብ ብዙሕ እንተ ደኣ ተዛሪቡ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ከም ኣርእስቲ ዘልዕሎ ዘሎ ስብ ፍትወት ከም ዘለዎ ዘረጋግጽ ቀንዲ ምልክት’ዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ እቲ ዘረባ እወታዊ’ዩ ወይ ከኣ ብውሕዱ ዋላ’ውን ኣሉታዊ እንተዀነ፡ ገለ ጽቡቕ ኩነታት ኣይሰኣኖን’ዩ።

ድኽመት

 ሰባት ብዛዕባ ምሳና ዘየለዉ ካልኦት ሰባት ሕማቕ እንዛረብ፡ ፊተ-ፊት ገጢምና ዝደለናዮ ከም ዘይንረክብ እንተ ደኣ ፈሊጥና ኢና። እንገብሮ ስለ ዘይብልና ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ ካልኦት ሕማቕ ምዝራብ መውጽኢ ተሃንና ይኸውን። ካብዚ ዝዓቢ ምልክት ድኽመት ከኣ የለን።

ስለዚ፡ ‘ኣብ ህይወትና ዕጉባት መታን ክንከውን፡ ርእሰ-ተኣማንነትና ክብ ኣቢልና ክንብሎ ዝደለና ኣብ ግዚኡ ነቲ ዝምልከቶ ሰብ ምባል ንላመድ፡ ብኹሉ ሰብ ፍትዋት መታን ክንከውን፡’ ብምባል እቲ መርበብ ሓበሬታ ምኽሩ ይልግስ፡፡

ምንጪ: internet


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com