Sunday , May 19 2024
Credit: Pixabay

ስቶክሆልም፡ ጥቓ ህንጻ ባይቶ ሓደ ሬሳ እናተንሳፈፈ ተረኺቡ።

ፖሊስ ስቶክሆልም ነቲ ኣብ ማእከል ከተማ ስቶክሆልም ጥቓ ህንጻ ባይቶ ዝተረኽበ ሬሳ ኣመልኪቶም መርመራ የካይዱ’ለዉ።
ጥቓ ህንጻ ባይቶ ኣብ ዝርከብ ማይ ዘንሳፍፍ ኣካላት ሰብ ድሕሪ ምርኣዮም፥ ትማሊ ሰኑይ ሰዓት 9.30 ቅድሚ ቀትሪ ፥

መሰኻኽር ዓይኒ ናብ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ጻውዒት ምግባሮም ህዝባዊት ሬድዮ ፒ 4 ስቶክሆልም ጸብጺባ። ኣፈኛ ፕረስ ፖሊስ
ስቶክሆልም ንጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ታብሎይድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “መዋቲ ሰብኣይ እዩ” ኢሉ።
ፖሊስ፡ እቲ ሰብኣይ ብኢደ ሰብ ድዩ ጥሒሉ ወይስ ኣይኮነን ዛጊት ከረጋግጹ ከም ዘይከኣሉ ገሊጾም ኣለዉ።

 

Credit: Pixabay

 

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com