Thursday , May 16 2024
Region Stockholm opens booking for a third dose of vaccine for all births in 1961 and earlier Foto Fredrik Sandberg / TT kod 10080

ስቶክሆሎም፡ ንልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ክወሃቡ እዮም

ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚሮም፡ ኩሎም ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ተቐማጦ ስቶክሆሎም፡ ጸረ ኮቪድ-19 ዝኾነ ሳልሳይ እብረ ክታበት ክወሃቡ ምዃኖም ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ሳልሳይ እብረ ክታበት ንኽወስዱ ዝደልዩ ሰባት፡ ካብ ሎሚ ጀሚሮም ቆጸራ ክሕዙ ከምዝኽእሉን ንብዙሓት ሰባት ዝኸውን ናይ ቆጸራ ዕድላት ከምዘሎን ኣወሃሃዲ ክታበት ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ማግኑስ ቲበሪ፡ ገሊጹ።

ሳልሳይ እብረ ክታበት ክወስድ ዝደሊ ሰብ፡ ካብታ ካልኣይቲ እብረ ክታበት ዝወሰደሉ ግዜ፡ ብውሑዱ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዘሕለፈ ክኸውን ከም ዝግባእ፡ ተገሊጹ።

ብኻልእ ወገን፡ ምምሕዳር ያቭለቦሪ፡ ካብ ሰሉስ ጀምራ፡ ንኹሎም ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ክትህብ ክትጅምር ምዃና ጸብጻባት ሬድዮ P4 ቬስትማንላንድ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com