Friday , May 17 2024

ስነ ኣእምሮኣዊ ኩነታት፡ ሽወደናውያን ቆልዑ፡ ዝተሓተ እዩ ተባሂሉ

ስነ ኣእምሮኣዊ ዕቤት ቈልዑ ሽወደን ምሰቶም ናይ መዛኑ ሃገራት ዝኾኑ ቆልዑ ክነጻጸር እንከሎ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ምህላዉ ንጸብጻብ ዩኒሰፍ ብምጥቃስ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

ኣብ ከምዚ ደረጃ ምውራድና ዘሕዝን እዩ ክትብል ንመሰል ቈልዑ ሓላፍነት እትወስድ ሚኒስተር ኦስላ ሊንድሁን ገሊጻ። ኣብ ዓለም ካብተን ዝሃብተማ ሃገራት ክንለና: ቆልዑና ስነ ኣእምሮኦም ዘይርጉእ ምዃኑ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ጌርና ኢና ንቖጽሮ።

መንግስቲ ነዚ ሽግር ንምፍታሕ ብዙሕ ዝሰርሕ እኳ እንተኾነ ብዙሕ ዕዮ ይጽበዮ ምህላዉ ግን ኣመልኪታ።

ዩኒሴፍ ኣብ 38 ሃብታማት ሃገራት ብዛዕባ ኣካላዊን ኣእምሮኣዊን ኲነታት ቆልዑ፥ ኣብ ማሕበራዊ ህይወትን ናይ ትምህርቲ ብቕዓቶምን ኣመልኪቱ ዳህሳስ ዘካየደ ኮይኑ፥ ሽወደን ካብ 38 ሃገራት መበል 22 ደረጃ ምሓዛ ድማ ተፈሊጡ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት: ቆልዑ: ብዙሕ ዘሕስቦም ነገራት ብምህላዉ እዩ፥  ብፍላይ ድማ ደቀንስትዮ: ብዛዕባ ኣካላዊ መልክዐን፥ ትምህርተንን መጻኢ ዕድለን፥ ምልዋጥ ክሊማን ዕድል ስራሕን ክሓስባ ይግደዳ ብምህላወን እዩ ድማ ኢላ። ኣብ መንጎ ሰባት ዘሎ ጋግ ኣታዊ እናዓበየ ምምጻኡን ናይ ምህብታም ባህጊን ንጥዕና ህጻናትና ብኣሉታ ይጸልዎም ምህላዉ ግሁድ እዩ ክትብል ድማ ወሲኻ ኣብሪሃ።

መልክዕታት ከምዝሕብርዎ፡ ብኣካላውን ስነ ኣእምሮኣውን ጥዕናን ብብቕዓት ትምህርትን ማሕበራዊ ሂወትን፡ ሽወደን፡ መበል 10ይ ደረጃ ምሓዛ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ክትስራዕ ትኽእል ምንባራ ዋና ጸሓፊት ዩኒሴፍ ኣብ ሽወደም፡ ፐርኔላ ፓራላት፡ ገሊጻ።

ሽወደን፡ ሓንቲ ካብተን ብቁጠባዊ፡ ማሕበራዊን ኣከባቢያዊን ኩነታት ዝበለጻ ሃገራት ዓለምና እኳ እንተኾነት ብስነ ኣእምሮኣዊ ኩነታት ቆልዑ፡ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ምስራዓ ብሓቂ ዘተሓሳስብ እዩ። ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክንስራዕ ይግበኣና ነይሩ ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።

ስነኣእምሮኣዊ ኩነታት ቆልዑ ንምሕያል፡ ክሳብ ምውሳኽ በጀት ዝኸይድ ዝተፈላለየ ተበግሶታት ክውሰድ ምጽንሑ ዝጠቐሰት እታ ሚኒስተር፡ ሽወደን፡ ምስ ዘለዋ ሃብትን ምዕባለን ዝመጣጠን ጥዕና ቆልዑ ክህልዋ ከም ዝግባእን ነዚ ክንሰርሓሉ ምዃናን ክትብል ዘረባኣ ዛዚማ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com